Connect with us

ርእይቶ

መንእሰይ ትግራይ፡ ጐይታ ባዕልኻ ዂን!

Published

on

ንጉስ ኣረፈ ገብረመድህን

ዓበይቲ ዓዲ ተጋሩ እንትይምስሉ ካበይ ከም ዝነጥር ዘኢይፈልጥ ኣበይ ከም ዝዓይርፍ ኣይይፈልጥንይብሉ። መልዐሊኡን መዕረፊኡን ዘኢይፍልጥ ኣንፈት ቃልሲ እዉን ምዕንፃሉ ኣይይተርፎን። ኣብ ዝዀነ ናይ ዓለም ጫፍ ኣንፈት ረብሓ ህዝቡ ዘኢቓነየ ዝውጠንን ዝልኣምን ቃልሲ የለን። ቃልሲ ድማ መልክዑ  እዋኑ ከም ዝጠልቦ ይቀያየር እምበር ዕርፍቲ ቃልሲ ዝብሃል ነገር የለን። መበገሲኻን ክትበፅሖ ዝትደልዮ ወይ ዝትብህጎ ኣንፈት ምንፃር ግን ናይ ግድን እዩ። ን እዙይ ዝተረደኡ ብሄራዉያን ውድባት ይዅኑ ብሄራዉያን ተጋሩ ብ ግዚኡ መጠንቀቕታ ውሂቦም ነይሮም። ሰማዒ ግን ኣይተረኸበን።

ገሊኡ ብወታሃደራዊ ዓወት ብፍላይ ድሕሪ ወፍሪ ራአሲ ኣሉላ ኣባነጋ ሰኺሩ ስለ ዝነበረ ገሊኡ ኽዓ ዕዉር ፍቕሪ ህወሓት ስለ ዝነበሮ መስመዒ ኣይነበሮን። ድሕሪ 21 ሰነ 2013 ዓም ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ፍቓድ ህዝቢ ወፃኢ ናብ መንግስትነት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ምቕያር ተለዊጡ። ፕሮፓጋንዳ ትግራይ ናብ ብይሓሊ መፃእናኩም ዝብል ጃህራ ዀይኑ። ኣብ መድረኽ ዓለም ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ሓዘኔታ ወይ ምልክት ዘንጊዑ ዝተረደኦም ዝምክሑሉ ዕሴት “ናብ ኣዲስ ኣባባ እማ ኣይትሓልፉዋን”  ናብ ዝብል መልክዑ ቀዪሩ። ፀረ ረብሓ ምዕራባዉያን ስለ ዝዀነ።  ሓልታት ትግራይ ብፅፍዒት ምዕራባውያን ካብ ደብረ ብርሃን እናተንጠባጠበ እንትይምለሱ እውን ዓይኑ ዘንቍሐ ውሑድ እዩ ነይሩ። አረ ገሊኡስ በቶም ሽዑ ዝውሃቡ ዝነበሩ ናይ ደንበርበር መግለፅታት እውን ዝኣመነ ነይሩ። ንኣብነት እቲ ዕፃዋን ክባን ብሓፂሩ ንምብጣስ ናይ ኣንፈት ለውጢ ገይርናእንትይብሃል በቃ ንባህርዳር ገፃ እያ ኢሉ ከክልተ ዋንጫ ስዋ እዉን ዳዕጎጭ ዘበለ ኣይይጠፍእን። ገሊኡ እዉንበቃ ሐዚ እታ ቍልፊ መፍተሒት ተረኺባ ኣላ። ንምዕራብ ትግራይ ገፅ እያ። ሐዚ ንግዲ ምስ ሱዳን ሓዝ ክእሕዝ እያኢሉ ሕቡእ ገንዘቡ ዘዳለወ እውን ነይሩ እዩ። እዚ ዂሉ ይደናገር ዝነበረ ምልኣተ ህዝቢ እቲ ነገር ንምርዳእ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ምዕዛብ እኽልቲ ነይራ። ኣብ ስኽራን ቴለቪዥን ትግራይን ድምፂ ወያነ ትግራይን ዝነበረት ጥራሕ እኽልቲ ነይራ።ኣብ ገዛይ ኰይነ ኣይእሕረድንዝትብል። ንምንታይ ካብ ጣርማ በር ናብ ሕድሕድ ገዛ ትግራይ ምሕራድ መፂኡ ኢሉ ምሕታት። እታ መልሲ ሓንቲ እያ ክትሰምዕን ክትፈልጥን ዘኢትደልይ እንተ ዀይንኻ እምበር ኣንፈት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተሓንጊጡ ዝቃለስ ስትራተጂካዊ ብሄራዊ መሪሕነት ምስኣን እያ ነይራ። ካበይ ተነጢሩ ኣበይ ክዕረፍ?

ኣካል ሸሞንተ (8) ቢልዮን ህዝቢ ዓለም ዝዀነ ዓሰርተ (10) ሚልዮን(ስለ ዘኢተቈፀረ ይዀን እዩ ተብሂሉ ይግመት) ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ መሬት ክጠፍእ ብኣደባባይ ተኣዊጁሉ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘኢይሰርሕ ትካላት ሰብኣዊ መሰል ዓለም እናርዩ ስቕ ዝበልሉ እዩ። ህዝቢ ትግራይ መከራን ስቓይን እንትይበፅሖ ዓለም ርእያ ከም ዘኢየት ብዓሰርተ ኣፃብዕታ ሸፊና በተን ናይ ኣፃብዕቲ ነዃላት ትዕዘብ ነይራን ኣላን። ህዝቢ ትግራይ እውን ሕግታት መሰል ደቅቂ ሰባት ዞባ፥ ክፍለ ዓለምን ዓለምን ከም ዘኢይሰርሕ ብፀሓይ ቀትሪ ዝርኣየሉ፤ ካብ ገፅ መሬት ካብ ክጠፍእ ደቅቁን ንዋቱን ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፉ ንምምባር ይቃለስ ንዘሎ ካብ ቅልፅሙ ወፃኢ ካሊእ መድሕን ከም ዘየብሉ ግልፂ ዝዀነ ግን ኻዓ ናይ መወዳእታ ዕንድፍቲ ቃልሱ ዘኢነፀረ ዕንይንይ ዝዓብለሎ እዩ። ነቲ ቃለሲ ይምርሖ ኣለኹ አየ ብሃላይ ናይ ስልጣን ሓይሊ ንምስረታ ነፃ ሃገረ ትግራይ ምዃኑ ንዓለም ብዘይ ሕንከት ዘኢይገልፅ( ዕላማኡ ንፌደረሽን ኢትዮጽያን ምድሓን ሕገ መንግስቲ ኢትዮጽያን ስለ ዝዀነ) ንህዝቢ ትግራይ እናደናገረ ኣብ ሕቱኽቱኽን ደንበርበርን ዝነብር ቃልሲ ናፅነት ሓሊኹ ከወድቅ ዝክኣሎ ይገብር ኣሎ። ቃለሲ ሓርነትን ናፅነትን ከኢተረጋገፀ ንፃት እዉን ጠጠዉ ዝብል ቃልሲ ከም ዘኢይህልው ግን ብምሉእ እምነት ምንጋር ይክኣል። ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ፀንተት ዝገበረት ሃገርን ሙሉእ ፍቃድ ህዝቢ ዝረኸበ ዓለም ለኻዊ ገበናት ክፍፀሉ ሃገራት ወፃኢ ምስ ዝዓደመል ዝዀነ ይዂን ትሕቲ ናፃ ሃገር ዝግበር ፖለቲካዊ ቅርፂ ምቕባል ባዕልኻ ኣካል እቲ ገበን ምዃን እዩ።

ንፁርነት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተረደኡ ፖለቲካዊ ሓልታትን ሊሂቃትን ምትሕብባር ከኢይገብሩ ዋና ስራሑ ዝገበረ ገዛኢ መድብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዘኢምስሉ ክፍለጥ ኣብ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ደፕሎማስያዊ ዉድቀት ክገጥሞ ገይሩ እዩ።ንቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ብልሒ ዀይኑ ዝዋደቕ ዘሎ ሓልታት ምክልኻል ትግራይ ናይ ሓደ ውድብ መሳረሒ ክገብሮ ብግልፂ ተራእዩ ዋላ ሐዚ መትሐጃ ገይሩ ንስልጣን መጨላጨሊ ድሕሪ ምግባሩ እንተ ክሓዶ።

ብቕልፅም ህዝቢ ትግራይ ዝተሸነፉ ሓይልታት እናጠበረን ናይ ስልጣን መላፍንቱ ዝገብር ሕሉፍ ሓሊፉ ሐዚ ናይቲ ገበነኛ ዘርኢ ምፅናት ዝዀነ ሓይሊ ጊላ ክዀን ጕንቡሕ ጥልዕ ዝብል ፖለቲካዊ ዉድብ ኣብ ዓለም ህወሓት ዝብሃል ጥራሕ ክዀን ይኽእል እዩ። ህዝቢ ትግራይ ስኣን መድሓኒትን እኹል ምግብን ምልታዊ ሬሳ ህፃናት እንትይቐብር ከጥፍኡዎ ንዝመፁ ዕሱባት እዮም ዘድሑኻ ጥርዓንኻ ናብ መጥፋእትኻ ኣቕርብ ንዝብል ድሁል መሪሕነት፣ ናብ ቍስሉ ግራጭ ዝዉስኻሉ ሚድያታት ዘለውኦ እውን ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ክዀን ይኽእል እዩ። ኣብ ዓውደ ውግእ ፊት ንፊት ገጢሙ ቅድሚ ደቓይቕ ብፆቱ ዝቐትል ዝነበረ ፀላኢ ወይ ዝትኰስ ወዲኡ ወይ ቈሲሉ ዝተማረኸ ከም ንብዙሕ እዋን ዝተፈለዮ ወዲ እነኡ ብንፍቆት ዓይኒ እናረአየ ፍሽኽሽኽ እናበለ ዘዋግዕን ዝጥብርን መሪሕነት ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ክዀን ይኽእል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ስሕተቱ ዘኢይምሃር ፈንጂ መምኸኒ ጥራሕ እዩከም ዝብሃል ንዘመናት ካብ ስሕተቱ ዘኢይምሃር ምስ ቀተልቱ ክነብር እናለመነ ዝነብር መሪሕነት ዝሓዘ ህዝቢ እዉን ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ክዀን ይኽእል እዩ። ፀገማት ትግራይ ካብ ስረ መሰረቶም ተረዲኡ ዘላቒ ፍታሕ ከኢየምፅእ ግዜኡ ኣብ ሕብይብይ ዘሕልፍ ንሓደሽቲ ኣተሓሳሰባታት ዕንቅፋት ዝዀን ሊሂቅ እውን ሊሂቅ ትግራይ ጥራሕ ክዀን ይኽእል እዩ። ሓዱሽ መሪሕነት ከኢይወፅእ እናስዓብ ዝኽርትምን ዘጕትምን፣ ዝድህልን ዕሰላዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን እውን ህዝቢ ትግራይ ክዀን ይኽእል እዩ። እቲ ሓቂ ነቒስና ኣዉፂእና እንተ ዘኢተማጒትና ሕበጥና ክነትዕ ኣይይኽእልን ጥራሕ ዝኰነስ መግልና ንውሽጢ ፈሲሱ ከም ህዝቢ ዘለኣለማዊ ስቓይና እዉን ክናዋሕ ይኽእል እዩ። ናይዚ ዂሉ ምኽንያትፀገም ስእነት ኣማትን ኣማዕድዩ ዘኢይርእይ ውድቀት ስትራተጂካዊ መሪሕነት እዩ።

መራሒ እንትይመርሕ!

እስራኤላዉያን ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመታት ተበቲኖም ብዙሕ ግፍዒ እንትይበፅሖም ሕብረት ፅዮናዉያን ኢሎም መስሪቶም ናብ ዓድና ዝብልዋ ክእትዉ ብኒ ባዓል ቴዶርሀርዘል እናተመርሑ ድሕሪ ብዙሕ ዓለም ለኻዊ ቃልሲ ብ1917 ዓምፈ  ኣዋጅ ባልፎር (Balfour Declaration) ተብሂሉ ብዝፍለጥ ሕጊ ኣብ ፍሊስጤም ብሓደራ ክነብሩ ገዛኢት ፍሊስጤም ዝነበረት እንግሊዝ ፈቒዳትሎም። በታ ዝረኸቡዋ ፀባብ ዕድል ተጠቒሞም ካብ ብዙሕ ኸባቢታት ዓለም መሬት አናገዝኡ ክዉሕዙ ጀመሩ። ንቐፃሊ ዘለቒ ዉሕስና ዝትዀኖም ሃገር ክምስርቱ እዉን ብኒ ባዐል ደቪድ ቤንጎርየን እናተመርሑ ቀትርን ለይትን ብዘኢዕርፍቲ ሰርሑ። ይዂን እምበር ብ1939 ዓምፈ ዝወፅአ ሓዱሽ ሕጊ እንግሊዝ (white paper ተብሂሉ ዝፍለጥ) ተኽሓዱ። እንግሊዛዉያን ንፍሊስጤማዉያን ወጊኖም ዝዀነ ኣይሁዳዊ ናብታ ብሓደራ ዝተውሃበቶ መሬት ከኢይኣትው ከልከሉዎ። ልክዕ ህዝቢ ትግራይ ንዘኢየድሕኖ ሕገ መንግስቲ ከድሕን ዓገግ ክብል ፀኒሑ ኣብ ልዕሉኡ ካብ ዝዘነቦ ምዓት ንምድሓን ተፈጥራዊ ናይ ምንባር ቃልሲ ቀሩ ኣሽሓት ደቁ ኸፊሉ ሃፍቱን ጥሪቱን ዓንዩ ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ ንምድሓን ሕገ መንግስቲ ኢኻ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝኸፈልኻ ዕልል በል ተብሂሉ ተኽሒዱንውርደትን መከራን ይዳረግ ዘሎ እስራኤላውያን እዉን ኣብ ሓደጋ ኣተዉ። ኣብ እዙይ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝቢ እስራኤል ዝፍለየሉ ናይ ባዕሉ ዝነብረሉ ቦታን ቀዋሚ መንበሪን ዘለዎ ህዝቢ ኰይኑ ስትራተጂካዊ መሪሕነት ዝስኣነ ምዃኑ ጥራሕ እምበር ኣብ ልዕሊኡ ንህዝቢ ዓለም ዘደንግፀ ፀነተ ምፍፃሙ ግን ዳርጋ ሓደ ዓይነት እዮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ሆሎኮስት (Holocaust)ዝፈፀመት ጀርመን ብሓደ ወገን፥ ኣዋጅ ባልፎር ዝክሓደቶም እንግሊዝ በቲ ኻልእ ወገን ኰይነን ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ገጠማ ንኽልተ ፀላእቶም ከመይ ከም ዝቃለሱ ደቪድ ቤንጎርየን ዝመርሖም እስራኤላውያን ንሰራዊት እንግሊዝ ክንሕግዞም ኣለና ፃዕዳ ወረቐት ከም ዘየለ ወሲድና፣ ኣንፃር እቲ ፃዕዳ ወረቐት ድማ ክንቃለስ ይግበአና ኲናት ከም ዘየለ ወሲድናክብሉ ንክልተ ፀላእቶም ኣብ ሓደ ሜዳ ክገጥሙ ወሰኑ። ከምቲ መንእሰይ ትግራይ እውን ምስ በደልትና ሓቢርና ንቃለስ ኢና በደልና ይሕደር ኢልና በደልትና ኽዓ ብዘይ ምሕረት ክንቃለሶም እይና ምስ ደመኛታት ፀላእትና ክሳድ ንኽሳድ እናተሓናነቕና ኢሎም ኣብ 2013 ዓም ወፊሮም

 ኣብ ወፍሪ ራስ ኣሉላ ፀላእቶም ደዃዕዃዕ ዘበሉዎ። ይዅን እምበር ንሸሞንተ ወርሒ ድምፁ ኣጥፊኡ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት ድሕሪ 21ሰነ2013 ዓም መቐለ ዝተመለሰ ክነብሕ ጀመረ። እዚ ካሕዳም ሓይሊ ኣብ እቱ ቃልሲ ዝተስሓሉ ብሄርተኛታት መራሕቲ ክትክእስ ይትረፍ፡  እቲ ብኣንቅዶት ልቡ ይኳሻሕ ዝነበረ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ብእሙናት ካድረታት ካብ በጦለኒ ክሳዕ ኣርሚ ብምምዳብ ክሕምሶ ጀመረ። ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እዉን ናብ ሸንፈለል ኣትዩ ህዝብና ብዘይ ጥዪት ብጥምየትን ስኣን መድሓኒትን ክረግፍ ተበየነሉ። ሓምት እዉን ተኻሒዱ ከም ወዲ በረኻ ሰፈሩ ኣብ ቋቝራ ኰነ። ዓሕ!

ሕልሚ ዓሻ ይፍታሕ ዶ?

ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንትግራይ ንምጥፋእ ሃፍቲ ክልተ ሃገራት፣ ዲፖሎማስያዊ ዓቕሚ ክልተ ሃገራት፣ ሚድያታትን ፕሮፓጋንዳን ክልተ ሃገራት ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ንዘለኣለም ናይ ምጥፋእ ሕልምን ባሕግን እዉን ኣለዎም። ይዅን እምበር ተኽእሎ ግን የብሎምን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ፍትሓውነትን ተፈጥሮኣዊ ናይ ምንባር መሰልን ትሓንጊጡ ዝቃለስ ህዝቢ ጠፊኡን ተስዒሩን ኣይይፈልጥን። ህዝቢ ትግራይ እዉን ናይ ምንባር ተፈጥሮኣዊ መሰሉ ክየሕስ እዩ ይቃለስ ዘሎ። ናይ ግድን ኽዓ ክዕወት እዩ። ነዚ ሓሳብ ዝየጠናኽር ብዙሕ ሰብ ዝይፈልጦ ሲግመንድ ፍሮይድ ኢሉዎ ተብሂሉ ዝይፍለጥ ኣብሃህላ ኣብ ሃገራት ል ምንታይ ናብ ኲናት ይኣትዋ (Why Nations Go to War) ኣብ ዝብል መፅሓፍ ዝረኸብኩዎ ክእጥቀም፦

“ህፃን ቈልዓ ኣካላዊ ዓቕሚ እንተ ዝህሉዎ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚቱ ዝረኽቦ ደስ ዘኢይብሎ  ኵሉ ነገር ምሰባበሮ ነይሩ።”  ስለዚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ልሙስን ሕሉፍ ኢትዮጵያዊ ህወሓት ትሓዊሱዎ ህዝቢ ትግራይ ብሓንቲ ለይቲ ጠፊኡ ክሓድር ባህጎም ነይሩ። እቲ ዘኢምጥእ ግን ብዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝውሰን እቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ሓርነትን ናፅነትን ኣብ ደገን ዉሽጢ ዓድን ሓደሽቲ መራሕቲ ናብ ቅድሚት እናመፅኡ ቀፂሉ ኣሎ። ዋላ ገና ናይ ውሳነ ቦታ ኣይይሓዙ ሓደ ሓቂ ነገር ግን ብሄርተኝነት ትግራይ ሱር እናሰደደ እዩ።

ተመኵሮ ንዉሰድ!

ዛዕባ ምፍጣር መሪሕነትን ህንፀት ሓዱሽ ሃገርን ዝምልከት ካብ እቶም መስረቲ ሃገረ እስራእል ዝዀኑ ዴቪድ ቤንገሮዮን እሱ ዝሃነፆ ሽሞን ፐረዝን ኣብነት ክዀኑ ሓሳባቶም ክውሓስ

ወዲ ሰብ ኣብ ሂወት ዘመኑ ብዙሕ ተመኵሮ እናወሰደ ንባዕሉ ምስ ኵነታት እናተሓሐዘ ይቕየር እዩ። ኣብ ዘለዎ ተተኺሉ ለውጢ ዘኢይጠልብ፥ ምስ ግዘን ኵነታትን ዘኢይቕየር እንተ ዀይኑ ካብ ሰብኣዊ ፍጡር ባዕሉ ዘርሓቐ እዩ።ኣብ ፖለቲካ ዓለም እውን ምስ ረብሓ ህዝብኻን ዓድኻን ብዝተዛመደ ዓለም ለኻውን ዘባን ኵነታት እናተዓዘብካ ምግልባጥ ልሙድ እዩ።ይብል ሽሞን ፐረዝ። ናይ ሐዚ መራሕቲ ትግራይ ግን ንባዕሎም ከም ሰበይቲ ሎጥ ተተኺሎም ተሪፎም፤ መራሕቲ ከኢይፍጠሩ እዉን ዕንቅፋት እናዀኑ ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ነቲ መድረኽ ዝምጥን ኣመራርሓ ባዕሉ ከኢይወስድ ኣብ ፀልማት ሂወት ክነበር መፃኢ ሂወቱ ብዝየፀልምት ሓደገኛ ውሳኔታት እናወሰኑ ይርከቡ። ኣብ ኵሉ ፖለቲካዊ ውሳነኦም ረብሓ ህዝቢ ዘኢይኰነ ዝየገድሶም ፀቢብ ጕጅላዉን ውድባዉን ጥቕሚ ጥራሕ እዩ ዋና ጭንቀቶም። ነዚ ፀቢብ ጕጅላዊ ጥቕሚ ክብሉ ኽዓ መፃኢ ዕድል ወለዶ ብፀልማት መንገዲ ዕልምልም ይውስኑ። ከም ቀደም ይመስለክን ውጅ ይወስደክን!

ብብዙሓት ሰባት ባዕል ተጋራጫዊ ሓሳብ  ተገይረ ተወሲደ እየ፡፡ ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ እስራኤል ካብ ዘለው ፍሉጣት ሰባት ሓደ ኰይነ እየ ሓሊፈዮ፡፡ ኣብ ናይ ሰላም ፃዕሪ በይነይ ጠጠው ዝበልኩ ሰብ ተገይረ ተወሲደ እየ፡፡ ግን ድማ ኣብ ናይ መጀመርታ ዓሰርተ ዓመታት ጕዕዘይ ኣብ ሰላም ምርግጋፅ እንተኢኰነስ ኣብ ምድላው ኵናት እየ ህይወተይ ኣሕሊፈዮ፡፡ ኣብ እቱ ጊዜ እቱይ ኣብ እስራኤል ሃዋክ (Hawks) ዝበሃላ ናይ ውግእ ነፈርቲ ካብ ዝመስረቱ ኣካላት ሓደ ኣነ እየ ነይረ፡፡ ግን ድማ ምስ ጊዜ ለውጢ ኣነውን ፃዕረይን ኣርኣእያይን እናተለወጠ መፂኡ፡፡ ኣብ ከይዲ ናይ ሞራል መሰረታዊ ለውጢ እናምፃእኹ ከይደ፡፡ ኣነ ኣይኰንኩን እናተለወጥኩ መፂአ፣ እቲ ኵነታት ባዕሉ እዩ እናተለወጠ መፂኡ፡፡ ብናተይ እምነት ሰላም ዕላማ እዩ፣ ሰላም ሽቶ እውን እዩ ከም ቸዝ እትፃወቶን ዝተሸንፎን ፅወታ፣ ኵናት ግን ተግባር እዩ ዝብል ኣርኣእያ ኣለኒ፡፡

ካብ ዘኢትፈትዎ ግን ድማ ግድድን ክተካይዶ እንትትግደድ ዝውሰድ ተግባር እዩይብል ሽሞን ፐረዝ ሐዚ እዉን። እዚ ማለት ሓደ እዋን ኣብ ኲናት ዝነበረካ ቅዋም ግዜን ኵነታትን ተኸቲልኻ ረብሓ ህዝብኻ ብዝበለፀ ዝረጋግፀ ብሰላም እንተ ዀይኑ ኣብ ሰላም ዝኽፍል ዋጋ ከፊልካ ረብሓ ህዝብኻን ዓድኻን ምውሓስ እዙዉነት እዩ። ኣብ ትግራይና ግን ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ሓሳብ ብኣንፃሩ ዓቕሚ ህዝቢ ዘድክምን ዘረክዝን ፣ ኣብ ጃህራ ዝተደረኸ መፃኢ ዘኢይእምት ልሙስ መሪሕነት እዩ። ብሓዱሽ ቅድዲ ክመፅእ ዝሓስብ ኣመለኻኽታን መሪሕነትን ዘጕትምን መኻን ኣተሓሳስባ መሰረት ክትሕዝ እዩ ዝስራሕ።

ሰላም ዝመፅእ ብፀሎትን ጥራሕ ኢድካን ኣይኰነን። ንሰላም ዝየድልይ ኵሉ ነገር ምስ ዝህልወካ እዩ። ከምቲ ሳን ትዙዙ ዝተብሃለ  ውሩይ ቻይናዊ ወታሃደራዊ ሊቅ ዝበሎ ንሰላም ክትብል ንዂናት ተዳለውእዩ። ሸሞን ፐረዝ እውን ሰላም ዝናፍቕ ዝነበረ መበልፀጊ ቴክኖሎጂ ኒኩለር እናሃነፀን ሙሉእ ወታሃደራዊ ምድላዉ እናገበረን እምበር ቶራህ (ቅድስ መፅሓፍ ኣይሁድ) እናኣንበበ ብፀሎት ጥራሕ ኣይነበረን።

ፀገም ናይ ምቕባል ፍርሒ ካብ ኵሎም ፀገማት እቲ ዝዓበየ ፀገም ምዃኑ እርዳእ እየ፡፡ ስለዚ ነቲ ፀገም ክእገጥሞ ከም ዘለኒ ወሲነ፥” (ሽሞን ፐረዝ)።  ኣብ ትግራይ ግን ፀገም መሪሕነት ንዘኢምቅባል ሳልሳይ ወገን ክእለሸሉ ኰለል ስለ ዝብሃል ሳላሳ ዓመታት ኣብ ዕንክልል ፀኒሕና፥  መልኣሚ ኣፅ ኲናት ሒዙልና መፂኡ ትግራይ ብትግራያ ዓንያን ጠፊኣን። ይዅን እምበር እዙ ነዙይ ውርደት ዘምፅአ ሓይሊ ሐዚ እዉን ኣነ እየ ዝውስነልኩም ኢሉ ሓንጊዱ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ከጥፍእ ይሰርሕ ኣሎ። እሞ ከም እዙይ ዝበለ ዕቡይን ደንቈሮን ካብ ወሳናይ ቦታ ክእለይ እዩ ዘለዎ እምበር ጥበራ ኣይየድልዮን።

ዝየድልየኩም ወይ ዝትደልዩዎ ክንምህረኩም ዘኢክንክእል ንዀን፥ ነገር ግን ዝንፈልጦ ጥራሕ ክንምህረኩም ንኽእል። ቺንዋ ኣቼቤ ኣብ “ሓንቲ ሃገር ነይራ” (there was a country) ዝብል መፅሓፉ፡  ሓደ መምህረይ ኢሉኒ ኢሉ ዝጠቐሶ ኣምሃሪ ዝዀነ ሓሳብ እዩ። እወ ሰባት ዝደልዩዎን እንታይ ከም ዝየድልዮምን ዋላ ኣይይፈለጥ ዝፈለጥካዮን ዝትምነዮን ሓሳብ ንካልኦት ምክፍል ግን ይጠቅም እምበር ኣይይጐድእን። ኣብ ዝተፈላለየ ናይ መነባብሮ ደረጃ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ሓላፍነት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ  ትምህርቲ ብርክን ዓውዲ ፍለጠትን፣ ኣብ ዝተፈላላየ ናይ ዓለም ኸባቢ ዝነብሩ ወዘተ ዝሓዙዎ ፍልጠትን ሓበሬታን ምፍላጥን ምክትታልን ንሂወት ባዕልኻን ኸባቢኻን ካብኡ ሓሊፉ ንምምሕያሽ ማሕበረ ሰብኻን ዓድኻን ኣዚዩ ወሳኒ እዩ። ስለዚ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝመፅእ ኣተሓሳስባታትን መማረፂ ፍታሓትን ዝትጠልበሉ እዋን ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ኣካል ማዕፆ ዝዓፅው፥  ዝዀነ ኣካል ኽዓ ማዕፆ ዝየንኳሕዅሕ ክዀን የብሉን ጥራሕ ዘኢኰነስ ንዘላቂ ማሕበረ ሰባዊ ፍትሒ እውን ዕንቅፋት ክዀን የብሉን። መሪሕነት ዝፍጠር እውን ብኸም እዙይ እዩ።

ምህሮ ንወስኽ

ብዛዕባ ነገራት ምምሕያሽ ትናገር እንተ ሃሊውካ፡  ብዛዕባ ፖለቲኻ እይኻ ተዉግዕ ዘለኻ”  ። በቢገዝኡ ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ ዕድል ተውሂብዎ ናብ ኣደባባይ እንተ ወፂኡ ንትግራይ መዋፅኦ ዝዀን መንገዲ ምእላሽን ንዝበለፀ ረብሓ ህዝብን ምውላድ ሓዱሽ መሪሕነትን እውን ወሳኒ እዩ። እዙይ ማላት ዝዀነ ይዅን ትግራዋይ ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ዝዀነ ይዅን ብርኪ መነባብሮ ዀይኑ የውግዕን ይዛተይን እንተ ዀይኑ ብዛዕባ ፖለቲካ ትግራይ ይዛተይ ስለ ዘሎ መፃኢ ህወቱን ሂወት ደቅቂ ደቅቁን ርሁዉ ክዀን ዕፅዉ በሪ ሰይሩ ናይ ወሳኒ ቦታን ብርክን ባዕሉ ክወስድ ኣለዎ። ራዊት ትግራይ ቅድሚ ምብታኑ ንህዝቡ ፅልላ ምዀነ ነይሩ ድሕሪ ምብታኑ ግን ንባዕሉ እዉን ፅላል ክረክብ ኣይኽእልን። እዚ ማለት እቱ ሰራዊት ቀዲሙ ናይ መሪሕነት ቦታ መንጢሉ ወሲዱ እንተ ዝዀን ነይሩ ኣብ ልዕሊኡ ተወሲኑሉ ዘሎ ውሳነ ጥፍኣት ኣይምተወሰነሉን ነይሩ። ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ናብ እዙይ ወሳኒ መድረኽ ዝመፅአ ስረ ወለዱ ክዓጥቕ ዘኢኰነስ ናይ ባዕሉ ስረ ተዓጢቑ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ወሲኑ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ከሻግር እዩ። እዙይ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝገጠመ ሓደጋ ኣብ ካሊእ ናይ ፖለቲካ መድርኽ ከኢይድገም ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ባዕልኻ ተወዲብኻ ባዕልኻ ክትውስን፥ ሓዱሽ ናይ ባዕልኻ መሪሕነት ክትፈጥር ኣለካ። 

እቲ ደጋጊሙ ዘውደቐካ ሓይሊ ደጋጊምክ ሓላፍነት ትህውቦ እንተ ዀይንካ እቱ ዝተለመደ ጥፍኣት እምበር ሓዱሽ ነገር ኣይየምፅእን። ዝትብህጎን ዝትምነዮን ነገር ድማ ባዕልኻ እምበር ካሊእ ኣይየማልኣልካን። ጐይታ ባዕልኻ ምዃን እዩ ጥዑም።

ካብ ስሕተት ካልኦት ትምህርቲ ምውሳድ

ሚልተን ፍሪድመንን ካርል ማርክስን  ኣይሁዳውያን እዮም። ደቪድ ቤንጎርንን ሽሞን ፐረዝን እዉን ኣይሁዳውያን እዮም። ፍሪድመን ዝሓሰቦ ድርጅታዊ ርእሰማልነት  (Corporate capitalism (disaster capitalism)) ኣብ ተግባር ክየውዕል ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ናብ ናይ ደም ውሕጅ እንትይቕይረን ማርክስ ኽዓ ዓለም ናይ ሸቃሎ ክትዀን ኣለዋ ኢሉ።  ሂትለርንስታሊንንን ዝኣመሰሉ ፋሽስታውን ኣዕቢዱ ል  ህልቂት ልዕሊ 6 ሚልዮን ኣይሁዳውያን እምነ ዅርናዕ ኣቐሚጡ። ደቪድ ቤንጎርዮን ኽዓ ቴዶር ኻርዚል ዝሓለማ እስራኤል ኣግሂዱ ንእኒ ሽሞን ፐረዝ ዝኣመሰሉ መራሕቲ እስራኤል ኣብቂዑ። ሽሞን ፐረዝ ኽዓ ሓያል እስራኤል ክትፍጠር ቀትርን ለይትን ሰሪሑ፣ ሃገር እስራኤል ዋናኒት ትክኖሎጅ ኒኩለርን ማእኸል ምርምር  ናኖን ክትኰን ገይሩ። ተፈራሒትን ክብርትን ሃገር ሃኒፁ ንቐፃሊ ወሎዶ ኣዉሪሱ ሓሊፉ። 

መለስ ዜናውን ደብረ ፅዮንን እውን ተጋሩ እዮም። መለስ ዜናዊ ሓንጂ መንጂ ኢትዮጵያ በኣምሳለምሚኒሊክ ክሃንፅ ርሃፁ ወዲኡ ከም ብርጭቆ ኣብ ኢዱ ተፈር። ዘርሞዘርሞ መራሒ ደብረፅዮን ዓ ካብ ማእኻል ሽዋ ብ ጐመድ ቄሮ ተባሪሩ ንትግራይ ምስ መፅአ ብኮሚንታንግ ዝተፈጠረት ታይዋን ክሃንፅ ሓሊሙ ጀኖሳይድ ኣምፂኡላ ኣብ ድቕድቕ ፀልማት ኣእቲዉዋ መውፀኢ መንገዲ ጠፊኡዎ ኣብ ሕልምልም ይርከብ። ኣብ እዙይ ክፍለጥ ዘለዎ ኮሚንታንግ ካብ ግዝኣት ቻይና ብሕድሕድ ኲናት ብሰራዊት ማኦ ተሸኒፉ ኣብ ደሴት ታይዋን እንትይሕባእ፡ ካብ ኮሚኒስት ቻይና ክመፅኦ ዝኽእል ሓደጋ ፈሪሑ ህዝቢ ታይዋን ከይፈተወ ብበትሪ እናኸርተመ እታ ዓዲ ክትለምዕ ክኢላ እያ። ናይ ልዕለ ሓያል ሃገረ ኣመሪካ ሓገዝ እውን ተወሲኹዎ። መራሕቲ ህወሓት ግን ታንክን ባንክን ኣረኪብኻ ምህዳም ጥራሕ ዚኰነስ ትሕቲ ፈጣሪ ጐይታ ዝዀነት ኣመሪካ እውን ኣቐሞም ስለ ዝሃደሙ ህዝቢ ትግራይ ንህልቂት ተቓሊዑ። ስለዚ ትግራይ ከም እስራኤል መሰረትቲ ኣቦታት ስለ ዘየብላ መንእሰይ ትግራይ ባዕልኻ ኣቦ ትግራይ ክትዀን፥ ባዕልኻ ደቪድ ቤንጎርዮንን ሽሞን ፐረዝንን ክትዀን ኣላካ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ ፈሪሱ ደቡብ ኣፍሪካ መራሒ ብሄራዊ ባይቶ ኣፍሪካ (ANC) ዝዀነ ኔልሰን ማንዴላ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ ዀነ እቶም ንሓርነትን ማዕረ ተጠቃምቲ ኢኮነሚ ክዀኑ ዝተቃለሱን መናእሰይ ደቡብ ኣፍሪካ ፍረ ቃልሶም ምስ ስኣኑ ካብቶም መራሕቲ እቲ ቃልሲ ዝነበሩ መናእሰይ ሓንቲ ዝዀነት ድሓር መስራቲት ትካል ሰብኣዊ መሰልን ተጠባቒት ሰብኣዊ መሰል ዝዀነት ዝበለቶ ኢለ ክዉድእ፦
ሓራ ኣየውፅኡናን። ኣብ ክሳድና ተጠምጢሙ ዝነበረ ሰንሰለት ፈቲሖም፡  ኣብ ዓካዓካሪቶና እዮም ኣሲሮምዎ።”


መዘከርታ ሕዳግ

1) ተመኵሮ እስራኤል፣ ትርጕም መንግስትኣብ ገብረኪዳን፣ 2014 ዓም

2) There was a country, a personal account of Biafra, Chinua Achebe, 2012

3) Why Nations go to war, John G. Stoesinger, 2010

4) The shock doctrine, disaster capitalism, Naomi Klein,2007


ፅሓፊ

ንጉስ ኣረፈ ገብረመድህን ወናኒ ግላዊ ትካል ኰይኑ ካብ 2012 ዓም ጀሚሩ ኣባል ውድብ ሳወት እዩ።

Continue Reading
7 Comments

7 Comments

  1. Hagos

    March 10, 2023 at 10:57 pm

    ዝገርም ኣገላልጻ ዩ ሓወኒ።

  2. Guesh

    March 7, 2023 at 4:42 am

    ጨለ

  3. Tekeste

    March 7, 2023 at 3:30 am

    ጽቡቕ መምሀሪ ጽሑፍ እዩ ቐጽለሉ

  4. Raya

    March 6, 2023 at 11:45 am

    ፅቡቅ ሓሳብ

  5. Gebrehiwot Hailemariam

    March 4, 2023 at 1:47 pm

    It is nice and timely paper.

  6. Desye Ashenafi

    March 4, 2023 at 1:12 pm

    Worth reading

  7. መልኣኩ

    March 4, 2023 at 12:30 pm

    ጽቡቕቲ ጽሑፍ ይኣ።
    ትግሃት ግን በቃ ድዩ ናይ ገብረክርስቶስ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ናይታ ትካል መስርሕ ገይርኁሞ??! (ሕቶ ይኡ)!
    ➜ ኣብዛ ጽሑፍቲ ሓደ ሓደ ናይ ፍደላት ግድፈት እንሀኩም ኣዐርዩዎ። (ቀድመ ርእየዮ ስለድጸናሕኁ ይኡ ተረድኡኒ)

    ያቐንየልና።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT