Connect with us

ግጥሚ

ዘኢንድይቦ ጎቦ፡ ዘኢንሰግሮ ሩባ

Published

on

ዘኢንድይቦ ጎቦ፡ ዘኢንሰግሮ ሩባ
ፍፅፁም ወይከ የለን
መስመር እዩ ሓይሊና ህዝቢ እዩ ሓይሊና
ወይከ ኣንስዓርን
ሃሩር ፅሓይ ነዳድ ህቦብላ ማይ በረድ
ማይ ማይ ትበል ነብሲ ኣብ ጀቕጀቕ ትረግረግ
ደንጐላ ንተርኣስ ብዓቲ ይዅን ቤትና
ለይትን ቀትርን ጕዕዞ ይድከም ይጥመየና
መስመር እዩ ሓይሊና ህዘቢ እዩ ሓይሊና
ወይከ ኣይንስዓርን
ዘኢንድይቦ ጎቦ፡ ዘኢንሰግሮ ሩባ
ፍፁም ወይከ የለን
መስመር እዩ ሓይሊና ህዝቢ እዩ ሓይሊና
ወይከ ኣይንስዓርን
ንከበብ ብ ኣዛብእ መሬት ትፅበበና
ኣብ ስጋና ይቀርቀር ኣስናን ፀላእትና
ስጋና ል ኣሞራ ደምና ውሕጅ ይዅን
ኣዕፅምትና ይድቀቕ ሕሩጭ ኰይኑ ይበተን
መስመር እዩ ሓይሊና
ክባታት ፀላኢ ክንፍንፅሖ እይና
ዘኢንድይቦ ጎቦ፡ ዘኢንሰግሮ ሩባ
ፍፅፁም ወይከ የለን
መስመር እዩ ሓይሊና ህዝቢ እዩ ሓይሊና
ወይከ ኣይንስዓርን
ናፓል ምስ መርዛም ጋዝ ፋሽሽታዊ ነዳድ
ሚሊዮን ቍምብላታት ኣብ ልዕሊአና ይንጐድ
መስዋእትን መቝሰልትን ክሳራታት ንኽፈል
ዝኸፍአ መከራ ውዲታት ይፍተልተል
መስመር እዩ ሓይሊና ህዝቢ እዩ ሓይሊና – ተዓወቲ እይና
መስመር እዩ ሓይሊና ህዝቢ እዩ ሓይሊና – ተዓወቲ እይና
መስመር እዩ ሓይሊና ህዝቢ እዩ ሓይሊና – ተዓወቲ እይና !

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Hailay

    February 5, 2024 at 11:58 am

    መስመር 4 => ወይከ ኣንስዓርን [ኣይንስዓርን]
    መስመር 8 => ለይትን ቀትርን ጕዕዞ ይድከም [ንድከም] ይጥመየና

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT