ትንተና
“ተጋሩ ዲና?” ክትትዕ ኣብ መንጎ ተጋሩ ኤርትራ
Published
4 days agoon
ብ ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ

መብርሂ፦ ዙ ፅሑፍ፡ ብ ስሩዕ ልስሳነ ፅሑፍ (ብ ስርዓት መርምሩ) ዝ ተፅሓፈ እይዩ።
“ተጋሩ ድይና” ብ ዝ ይብል ርእሲ፡ ክትትዕ ይክካየድ ኣልሎ። ቱ ክትትዕ ብ ሓደ ወድዲ መምህር ዝ ተብሃለ ዩቱባም ዝ ተጀምመረ ይመስስል። ዋንና ሓሳብ ዙ ዩቱባም ድምማ ከም ዙይ ክ ይጥምመር ይኽእል፦ ኣብ ናይ ሎሚ ትግራይ ወ ኤርትራ ዝ መበቈልና፥ ትግርኝኛ ዝ ልስሳንና ህዝቢ ሓደ መንንነትን ያትታን ዘልለና ኰይንና ስምና ግን ተጋሩ (ትግራዎት) ዘ ኢ ዀነ ሲ ትግርኝኛ እይዩ። ብ ዙይ ዝ ነቐለ፡ ካልኦት ሰባት እውውን መጕጒቶም ኣልለዉ። ባዕል ዋንና ጀይ ስቱድዮ ዝ ዀነ ዮሴፍ ገብረሂወት ኣብ ክልተ ክፍፍላት (ክፍፋል 1 ወ ክፍፋል 2)፡ ኣዪ፥ ተጋሩ እምበር ትግርኝኛ ሲ ኣይ ኰነን ስምና ኢሉ መጕጒቱ ኣልሎ። ኣማኑኤል ሳህለ ዝ ተብሃለ ሰብ ድምማ፡ ኣብ ዙ ዛዕባ ዙይ ርእይትኡ ክ ይህብ ተሓቲቱ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ቱ ዛዕባ ኣድሂቡ ሓሳቡ ዝ ይህብ፡ መናእሰይ ብ ዛዕባ መንነቶም ክ ይጭንነቑ ከም ዘ ኢ ይግብባእ ደጋጊሙ ምዒዱ፤ ስለ መንንነት ወድዲ መንንነት ምሕሳብ ይዅን ምዝትታይ እውውን ጥቕሚ ከም ዘ የብልሉ ወስሲኹ ምዒዱ። ኣብ ክንዲ ኣብ ቱ ንስሱ ኣዝዝዩ ዝ ኣቅቃለሎ ጕድዳይ መንንነት ወድዲ መንንነት፡ ኣብ ምምሃዝ ኣቕሓ ወድዲ ኣቕሓ ክ ይፅምመዱ መኺሩ። ዓለም ብ ዓለማ ዝ ትግድደሰልሉን ዝ ትቅቃነየልሉን ዛዕባ ብሄራዊ መንነት ከም ከንቱ ነገር ገይርካ ምስኣል ሲ እንታይ ክ ይብሃል ይኽእል? ብ ስሩ ኸ፡ እንድሕር ዝ ትብሎ ፍረ ነገር ዘ የብልልኻ ኰይንካ፡ ኣብ መርራኸቢ ሓፍፋሽ ቀሪብካ ኣስታት ሓደ ስዓት ፍረ ኣልቦ ማዕዳ ካብ ምምዓድ፡ ኣብ ዙ ዛዕባ ዝ ትብሎ ነገር ከም ዘ የብልልኻ ገሊፅካ ዘ ኢ ምቕራብ ዶ ኣይ ይሕሽን? ል ኣማኑኤል ሳህለ እንት እሰምምዕ፡ ብ ተለምዶ፡ ኣብ ባህሊ ሓበሻ፡ ፈላስፋ ዝ ንብሎም ሰባት ዘክኪረ። ብ ተለምዶ ፈላስፋ ዝ ንብሎ፡ ል ነገራት ዋጋ ዘ ኢ ይህብ፥ ል ዓብበይቲ ነገራት ዝ ይንዕቕን ዝ የንናሽውን፥ ኣብ ኵልሉ ፍሉይ ክ ይዀን ዝ ይፍትትን፥ ባቖ (ወይ ግርምቢጥ) ዝ ግብሩ፥ ከምኡ ድምማ ነብሱ ዝ ይድርብይ ሰብ እይዩ።
ካልኦት ኣብ ዙ ዛዕባ ሓሳባቶም ዝ ሃቡ ድምማ ሓደ ኣብ ቢቲቪ ዝ ተብሃለ ቻነል ርእይትኡ ዝ ኣቕረበ ወድድን በዅረፅዮን ዝ ተብሃለ ኣብ በዅረ ኣከዳሚ ዝ ይብሃል ቻነል ዩቱብ ዝ ይነጥጥፍ ሰብን ይርክከቡዎም። ቱ ኣብ ቢቲቪ ሓሳቡ ዝ ኣቕረበ ወድዲ፡ ኣብ ኢ ቕኑዕ እይዩ ዝ በሎ ሎጂክ ወድዲ መምህር እይዩ ኣድሂቡ። በዅረፅዮን ድምማ ከም ቱ ቅድሚ ሀዚ እውውን፡ ኣብ ቻነሉ በዅረ ኣከዳሚ፡ ብዙሕ ግዝየ ከም ዝ በሎ፡ ተጋሩ እምበር ትግርኝኛ ከም ዘ ኢ ዀንና፥ ስምና ተጋሩ፡ ስም ቋንቋና ድምማ ትግርኝኛ እይዩ ኢሉ መጕጒቱ ኣልሎ።
መንቀሊ ዙ ክትትዕ እንታይ እይዩ? ል ምንታይ ከ እይዮም ቶም ተኻታዕቱ ደቅቂ ሓማሴን ወ ደቅቂ ኣክካለ ጕዛይ ኰይኖም። ኣብ ኣስታት 1890 ዓምፈ፡ ብ ሽርሒ ንጉስ ሽዋን ዝ ዀነ ምልሊኽን ባዕዳዊ ገዛኢ ጣልያንን፡ ዓብባይ ትግራይ1ዓብባይ ትግራይ፡ ስም ምድረ ኵልሎም ተጋሩን ካልኦትን ብሄራትን ኰይና፡ ካብ ምፅውዋዕ ክሳብ ኣልዉሃ፥ ካብ ኣርሆ ክሳብ መተምማ ዘልሎ መሬት እይያ። ስፍሓት ዛ መሬት፡ ምስ ዛ ጣልያን ካብ 1936 ክሳብ 1941 ዓምፈ ትግራይ ምስ ዛ ቅድሚኡ ዝ ነበረት ኤርትራ ሓዊሱ፡ ኤርትራ ወይ ሓድዳስ (ሓድዳሽ) ኤርትራ ኢሉዋ ዝ ነበረት ግዝኣት ይምመሳሰል እይዩ ናብ ዛ ናይ ሎሚ ትግራይን ናይ ሎሚ ኤርትራን ምስ ተገምዐት፡ ተጋሩ እውውን ኣብ ክልተ ተገሚዖም እይዮም። ዙ ምግማዕ ስዒቡ፡ ብ ነውዊሕ ታሪኽ ህዝቢ እንት ይርአይ ንእሽተይ፡ ብ ሓፅፂሩ እንት ይርኣይ ድምማ መጠናዊ ፍልልይ ምሕደራ፥ ተዘክክሮን ተመኵኵሮን ፈጢሩልሎም እይዩ። ዞም ፍልልያት ስዒቦም ዝ ኸዱ ዳሕረዎት ፖለቲካዊ ምዕባለታት ድምማ፡ ኣብ መንጎ ተጋሩ ማዕዶታት መረብ ሓይያል ፅልኢ ክ ተኽሉን፥ ዝ ተፈላለዩ መንነታት ክ ፈጥሩን ፈትቲኖም እይዮም። ቀንዲ መግለፂ ብ ፍልላይ ብ ሻዕብያ ኣብ ኤርትራ ክ ይትክከል ዝ ተ ደለየ ሓድዱሽ መንንነት (ኤርትራውንነት) ፡ ተጋሩ ኤርትራ ምስ ተጋሩ ትግራይ ዘልለዎም ታሪኻዊ፥ ተዘክክሮኣዊ፥ ያትታዊ፥ መንነታውን ባህላውን ምትእስሳር ምብታኽ ኰነ። ዙይ ል ምዕውዋት፡ ተጋሩ ኤርትራ ትግራዋይንነቶም ክ ይሓድጉ፥ ክ ይፀልኡ፥ ክ ይፅይየፉን ጥራሕ ምግባር ብ ሻዕብያ እኹል ኰይኑ ኣይ ተረኸበን። ኣዕርይኻ ል ምፍላይን ድልዱል መንደቕ ፅልኢ ል ምቛምን ብ ምሕሳብ፡ ብ ሓድዱሽ ስም ምጥምማቕ (ተጋሩ ኣይ ኰንኩምን፥ ትግርኝኛ እይኹም)፥ ታሪኽ ምዝባዕን ምኽሓድን፥ ትግራዋይንነት ብ ዘ ኢ የቍቋርፅ መንገድዲ ምንንሻውን ምርርኻስን፥ ብ ኲናት ብ ምድድማይ ፅልእን ቅርሕንትን ምትካል፥ ትግራይ ከ ኢ ትዓብብይ (ብ ኣንፃሩ ትግራይ ኣብ መንንነት ኣምሓራ ኣቲዋ ክ ትሓቅቅቕ) ምትጋህ፥ ወዘተ ከም ኣድለይቲ መህነፅታትን መሐልለውታትን ቱ ሓድዱሽ መንንነት ኤርትራ ተወሰዱ።
ኣብ ዝ ሓለፉ ዓመታት ግን፡ ዙ ፕሮጀክት ህንደሳ ሓድዱሽ መንንነት ኤርትራ ዝ ይፈታተኑ ምዕባለታት መፂኦም። ብ ኢንተርኔት፡ ብዙሓት ተጋሩ ምድሪ ባሕሪ፡ ል ቱ ህንደሳ ሓድዱሽ መንንነት ኤርትራውንነት ምእባይን ትግራዋይንነቶም ምግላፅን ጀምሚሮም። ብ ፍልላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብዙሓት ተጋሩ ምድሪ ባሕሪ ትግራዋይንነት እና ገለፁን እና ኣጕልሁን ይርክከቡ። ዙ ኵነት፡ ካብ ግዝየ ናብ ግዝየ እና ወስሰኸ ይኸድ ዘልሎ ኰይኑ፥ ብ ሓይሊ ክ ትቍቈፃፀሮ ዘ ኢ ይክክኣል፥ ዓብዪ ፖለቲካዊ ትርጕም ዘልለዎ ምዕባለ እይዩ። ኣቐድዲሙ ብ ዝ ተፈላለዩ መንገድድታት ውጥም ቅልቅል ይብል ዝ ነበረ ምግላፅ ትግራዋይንነት፡ ኣብ ዝ ሓለፉ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጐሊሁን ዓምቢሩን ወፂኡ እይዩ። ትግራዋይንነቶም ዝ ይምስክሩ ተጋሩ ምድሪ ባሕሪ ብዙሓት እይዮም። ኣብ ቀረባ እውዋን ድምማ፡ ብ ደርፊ፥ ከምኡ ድምማ ብ ትብዓትን ብ ግልፅን ኣብ መርራኸብቲ ሓፍፋሽ ትግራዋይንነቶም ዝ ይመስክሩ ተጋሩ ምድሪ ባሕሪ ይውስስኹ ኣልለዉ። ብ ደርፍታቱ ትግራዋይንነት ዝ ይሰብብኽ ኣባል ጮርራ ባንድ ዝ ዀነ ከይያኒ ክፍሎም ይክክኣሎ ሓደ ኣብንነት እይዩ። ብ ፍልላይ ኣብ ቀረባ እውዋን ናብ ትግራይ ኣብ ዝ ኸደልሉ ግዝየ ምስ መድህን ገብረስላሴ ዘ ብርራኸ ሸው ዝ ገበሮ መደብ ጥያቐ መልሲ ድምማ ሓደ መርኣይያ ብ ትብዓት ትግራዋይንነት ምግላፅ እይዩ። ኣብ ቱ መደብ፡ ክፍሎም ትግራዋይ ምዃኖም እንበለ ሽፍንፍንን ሕፍርፍርን ገሊፁ። እምብኣር ዙ ክትዕ “ተጋሩ ድይና” ብ ምኽንያት ዙ ምዕባለን ኣብ ዙ ምዕባለን እይዩ ይክካየድ ዘልሎ።
ኣብ ዙ ዛዕባ ዙይ ብ ሰፊሑ ክ እፅሕፍ እደልልይ እይየ። ል ሀዚ ግን ቅድሚ ሀዚ ዝ ሓናጠጥኩዎም ነገራት ተመርኲሰ ቍሩብ ክ እብል።
1) ቍሩብ ስለ መንንነት
መንንነት ሰብ ባዕል ብዙሕ ገፅታ፥ ባዕል ብዙሕ ፀፍሒ እይዩ። መንንነት ብዙሓት ገፅታታት ወይ ንኡሳት መንንነታት ክ ይህልልዉዎ ይኽእሉ እይዮም። ሓደ ሰብ ድምማ ብዙሓት መንንነታት ይህልልዉዎ። ኣብንነት፡ ኤርትራዊ ትግራዋይ፥ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ፥ ትግራዋይ ኣሜሪካዊ፥ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ፥ ወዘተ። ነውግዐልሉ ዘልለና ሓደ ፀፍሒ መንንነት ዀይኑ፥ ዛዕባ ብሄራዊ መንንነት እይዩ። እንታይ እይዩ ብሄርካ (ወይ ብሄራዊ መንንነትካ) ል ዝ ይብል ሕትቶ ዝ ይምልልስ እይዩ። ዙ መንንነት፡ ናይ ሕብረት ኰይኑ፡ ቀንዲ መግለፂታቱ ድምማ፡ ሓበራዊ ቋንቋ፥ ባህሊ፥ ያትታን ፅውፅዋይን፥ ታሪኽን ተዘክክሮታትን፥ መልክዕን ተኽለ ቍምመናን፥ ወዘተ እይዮም። ብ ደረጅጃ ውልቀ ሰብ እንት ይርርአይ ድምማ፡ ቱ ሰብ ምስ ካልኦት ዝ ይማቐሎ ስምዒት ብሄራዊ ሓደንነት ምቅቅርራብን እይዩ።
ኣብ ውሽጢ ቋንቋና ኰይንና እንት ንርእይዮ፡ መንንነት፡ ኰይንካ (ወይ መሲልካ) ምርካብ እይዩ። ግሉፅ (ግልፂ) እውውን ስለ ዝ ዀነ፥ ህዋሳት ስምዒትካ ተጠቒምካ ብ ምልላይ፡ ብ ቃልካ ክ ትምስክሮ ትኽእል እይኻ። ብ ንእሽተዩ እንት ንርእዮ፥ ሓመድ ዝ ይመስስል፡ ሓመደዋይ እይዩ፥ ቈፅሊ ዝ ይመስል ድምማ ቈፅለዋይ እይዩ። እንት ነዕብዮ ድምማ፡ ኵናማ ዝ መልክዑ ( ኵናማ ዝ ይመስስል) ፥ ከም ኵናማ ዝ ይኽድደን፥ ከም ኵናማ ዝ ይንናገር እንት ንርእይ፡ “ኵናማ እይዩ” ንብል። ኣምሓራ ዝ ይመስስል፥ ኣምሕርኝኛ ዝ ይንናገር፥ ከም ኣምሓራይ ዝ ይስዕስዕ እንት ንርእይ ድምማ፡ “ኣምሓራይ እይዩ” ንብሎ። ከምኡ እውውን፡ ትግራዋይ ዝ ይመስስል፥ ትግርኝኛ ዝ ይንናገር፥ ተልሂት ዝ ይልለሀይ፥ ወዘተ እንት ንርእይ “ትግራዋይ እይዩ” ንብሎ።
2) ምግላፅ መንንነት
ገለ ተማጐትቲ፡ ከም ዙይ ኢሎም ይሓትቱ ወይ ይምጕጕቱ፡ “ደቅቂ ሓማሴን ወይ ኣክካለ ጕዛይ ‘ተጋሩ እይና’ ኢልና ንፈልልጥ ዶ?” ይብሉ። መንንነት ዝ ይግልለፀልሉ ኵነት ወይ ዓውዲ የድልዮ እይዩ። ሱቕ ኢልካ ተልዒልካ ብሄራዊ መንንነትካ ኣይ ትገልልፅን እይኻ። መንንነትካ ክ ትገልልፅ ዝ የገድድ ግብቡእ ኵነት ክ ይህልልው ኣልለዎ። ኣብንነት፡ ኣብ ዕዳጋ ሓውዜን ዝ ይርራኸቡ ደቅቂ ኣብባት ዝ ዀኑ ሰባት፡ ሓደ ል ቱ ኻልእ “እንታዋይ እይኻ?” እንተ ኢሉዎ፡ “ትግራዋይ እይየ” ኣይ ይብልን ከም መልሲ። ል ቱ ኵነት ግብቡእ ዝ ዀነ መልሲ ስለ ዘ ኢ ዀነ። እንታይ ድኣ ይብል? ካብ ዓድዋ እይየ (ወይ ዓድወትታይ እይየ)፥ ካብ ተምቤን እይየ (ወይ ተምቤናይ እይየ)፥ ወዘተ ዝ ይብል እይዩ ግብቡእ መልሲ። ከምኡ እውውን ኣብ ዕዳጋ መንደፈራ ዝ ይርራኸቡ ሰባት፡ ወድዲ ኢሮብ (ኢሮበትታይ)፥ ወድዲ መነኵሰይቶ፥ ወዘተ ኢሎም ክ ይምልልሱ ይኽእሉ። ቱ ሕትቶ ኣብ ከተማ ኣድዲስ ኣበባ እንተ ዝ ይዀን ከ? “ትግራዋይ እይየ” ግብቡእ መልሲ ክ ይዀን ይኽእል።
ብሄራዊ መንንነትካ ክ ትገልልፅ ዝ የገድድ ኵነት ዝውቱር ኣይ ኰነን፥ ብ ፍልላይ ኣብ ቅድዱም ታሪኽ። ምስ ካልኦት ብሄራት ኣብ ዝ የልላትመክካ መድረኽን ዓውድን እንት ትርራኸብ እይኻ ብሄራዊ መንንነትካ ክ ትገልልፅ ዝ ዝ ትግድደድ። ቅድሚ ምምፃእ ጣልያን ኣብ ዝ ነበረ መዋእል፡ ትግራዋይ ምስ ኣይየኖት ብሄራት ይልላተም/ይርራኸብ ነይሩ? ብ ሳልላ ወይ ብ ምኽንያት ኣቅቀማምጣ መሬቱ፡ ምስ ብዙሓት ብሄራትን ህዝብታትን ስለ ዘ ኢ ተላተመ፡ ግብቡእ ብሄራዊ መንንነቱ ብ ሰፊሑ ዝ ይእውወጀልሉ ወይ ዝ ይገልፀልሉ ኵነት ኣይ ነበረን። ምስ እቶም ዝ ተራኸቦም ድምማ ግብቡእ መንንነቱ ይገልልፅ ነይሩ እይዩ። ኣብነት ምስ ኣዕራብ ወይ ፈረንጂ ተራኺቡ መንነቱ ክ ይገልልፅ ዝ የገድድ ኵነታት እንት ይፍጥጠር፡ ሓበሻ ወይ ኢትዮጵያዊ ኢሉ ፍሉይ መንነቱ ይገልልፅ ነይሩ። ምስ ኣስላም እንት ይልላተም ድምማ፡ “ክርስትያን እይየ” ኢሉ መንነቱ ይገልልፅ ነይሩ። ምስ ኣምሓራይ እንት ይልላተም ድምማ፡ “ትግራዋይ እይየ” ኢሉ ግብቡእ ዝ ዀነ መንነቱ ይገልልፅ ነይሩ እይዩ። ከም ኣብንነት ምግላፅ መንንነት ትግራዋይንነት ምስ ኣምሓሩ እንት ይልላተም፡ ካብ መፅሓፍ ደብተራ ፍሰሃ ዓብየዝጊ ዝ ዀነት “ታሪኽ ኢትዮጵያ” ክ ንጠቅቅስ ንኽእል። ከም ዙይ ይብል፦
“እቶም ንኮንቲ አንቶነሊን ንበዓል ራእሲ መኰነንን ኪስንዩ ዝከዱ ተጋሩ ኵሎም ዓጋመታይ ኰነ፥ ኣካለ ጉዘታይ ኰነ፥ ሓማሴነታይ ኮነ፥ ኣሕሰአታይ ኮነ፥ ተምቤነታይ ኮነ ምስ እቶም ጭፍራ ሽዋ ምስ ተርኣአየ ኵሎም ኪፍ በላቶም። ሰብነቶም እውን ተለዊጦም። ሻዕቱይ ገፅ ሽወታይ ጥምት ኣቢልካ ናብ ገፅ ትግራዋይ ቍሊሕ እንተበልካ ዳርጋ ክንዲ ናይ ቀትርን ናይ ለይትን ዚኣክል ምፍልላይ ይርኤ ነበረ።”
ዙ ፅሓፊ፡ ቅድሚ ምምፃእ ጣልያን ዝ ነበረን ዝ ፅሓፈን እይዩ። ምስ ኣምሓራ እንት ይልላተም፡ ወድዲ ሓማሴን ይዅን ወድዲ የሓ፥ ወድዲ ተምቤን ይዅን ወድዲ እንደርታ፡ ትግራዋይንነቱ ይገልልፅ ነይሩ እይዩ። ብ ቓላት ጥራሕ ኣይ ኰነን ዝ ይገልልፅ ነይሩ፥ ብ ግብሪ እውውን እይዩ። ከም ዙይ ዝ በሉ ኣብንነታት ኣብ ብዙሓት ሰነዳት ታሪኽ ንረክክብ እይና።
ካልእ፡ ቱ ብ ዝውትርንና ምስ ኣምሓራ ዝ ይልላተም/ዝ ይርራኸብ ትግራዋይ፡ ትግራዋይንነቱ ብ በዝሒ ክ ይገልልፅ እንት ይግድደድ፡ ቱ ምስ ኣስላም ዝ ይልላተም ትግራዋይ ድምማ ክርስትያንነቱ ክ ይገልልፅ ይግድደድ። ስለ ዙይ፡ ናብ ደቡብ ገፅ ዘልሎ ትግራዋይ፡ ምስ ኣምሓራ ብ በዝሒ ስለ ዝ ይልላተም፡ ትግራዋይንነት ኣጕሊሁ ክ ይገልልፅ እንት ይግድደድ፤ ቱ ናብ ሰሜን ገፅ (ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ) ዝ ነበረ/ዘልሎ ትግራዋይ ክዓ፡ ምስ ኣስላም ብ በዝሒ ይልላተም ስለ ዝ ነበረ፡ ክስታንነቱ ኣጕሊሁ ገሊፁ እይዩ። ል ዙይ እይዩ፡ ዛዕባ ኣምሓራ ኣብ ትግራይ፥ ዛዕባ ክስታን ወ ኣስላም ድምማ ኣብ ኤርትራ ዝ ይጐልልህ። ቦታ ወይ ጅኦግራፊ ኣብ ምህናፅን ምግላፅን መንነት ወስሳኒ እጅጃም ነይሩዎ እይዩ፤ ኣልለዎ እይዩ።
ስለ ዙይ፡ ትግራዋይ ኣብ ግብቡእ ኵነት ትግራዋይንነቱ ይገልልፅ ነይሩ እይዩ። ከም ዙ ሎሚ ዝ ንገብሮ፡ ብ ሰፊሑ ብሄራዊ መንነቱ ል ክ ይገልልፅ ዝ የገድድ ዓለማዊ ኵነት ግን ኣይ ነበረን። ኣብ ቀረባ እውዋን እይዩ መንነቱ ብ ሰፊሑ ክ ይገልልፅ ዝ የገድድ ኵነት ተፈጢሩ እምበር ቅድሚኡ ብ ምኽንያት ብትቱን ኣንነባብርኡን ውሑድ ተራኽቦት ምስ ካልኦት ብሄራትን ህዝብታታን፡ ኣብ ክንዲ ብሄራዊ መንንነቱ፡ ከባብያዊ ወይ ኣውራጅጃዊ መንነቱ (ዓድዋ፥ ሓማሴን፥ ዓጋመ፥ እንደርታ፥ ተምቤን፥ ወልቃይት፥ ወዘተ) ክ ይገልልፅ ዝ የኽእል/ዝ የገድድድ ኵነት እይዩ ብ በዝሒ ነይሩ።
ካልእ ክ ንግንዘቦ ዝ ይግብባእ፡ ል መንንነትካ ዝ ይውስስኑ ይዅኑ ስም ዝ ይህቡ፡ ካልኦት ኣብ ጥቓኻ ዘልለዉ ወይ ብ ሰፊሑ ዝ ትልላተሞም ህዝብታታ እውውን እይዮም። ኣዕራብ ወይ ሱዳናውያን ብ ዋንኡ ሓበሻ እይዮም ዝ ይብሉና፥ ንስሱ ተኸቲልና ድምማ ብ ፍልላይ ምስኣቶም ኣብ ዝ ንገብሮ ተራኽቦት፡ ል ባዕልና ሓበሻ ንብል። ከምኡ ድምማ፡ ኣምሓራ ልኣና ል ተጋሩ እንት ይርእዩና “ትግሬ፥ ትግሬዎች” ይብሉና። ንሕና ድምማ ዙይ ተኸቲልና፡ ምስኣቶም ኣብ ዝ ይህልልወንና ተራኽቦት፡ ብ ቋንቋና ል ባዕልና ትግራዋይ፥ ትግራወይቲ፥ ትግራዎት ወይ ተጋሩ ንብል። ል ኣቶም ክዓ ኣምሓራይ፥ ኣምሓረይቲ፥ ኣምሓሩ ንብሎም። ወረ ሓደ ሓደ ግዝየ ሲ፡ ቶም ካልኦት፡ ዋላ ዘ ኢ ትደልዮ ስም ክ ትቕብበል እውውን የገድዱኻ እይዮም። ኣብንነት፡ ሓበሻ ል ባዕሉ ከም ኣፍሪካ ዊኣይ ይርእይን። ብ ፍልላይ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ዓድዱን ል ባዕሉን፡ “ኣፍሪካዊ እይየ” ኣይ ይብልን ነይሩ። ዋላ ናብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ምስ ከደ፡ ምስ ካልእ ሓበሻ እንት የውግግዕ፡ ል ባዕሉ ከም ኣፍሪካዊ ኣይ ይርእይን። “ዙ ኣፍሪካዊ ርእይኻይዮ ዶ፥ ትፈልጦ ዶ?፥ ኣፍሪካዊ ትመስስል (ፅልልም ዝ በልካ እንተ ዀይንካ)፥ ወዘተ ይብል። ምስ ፈረንጂ ግን፡ ከም ኣፍሪካዊ ስለ ዝ ይፈልጡዎ፡ ፈትዩ ይዅን ዋላ እንተ ኢ ፈተወ፡ “ኣፍሪካዊ እይየ” ይብል።
3) ቋንቋና እንታይ ይብብሃል ነይሩ?
ክትትዕ “ተጋሩ እይና፥ ኣዪ ትግርኝኛ እይና” ካብ ዝ የልዕሎም ዛዕባታት፡ መፀውውዒ ስም ቋንቋና እንታይ ምንባሩ እይዩ። ስም ቋንቋ ክ ትገልልፅ እውውን ከም ምግላፅ መንንነት ዓውዲ የድልዮ። መምስ ባዕልና ኣብ ዕዳጋ ቋንቋና ክ ንገልልፅ ዝ የገድድ ኵነታት የልለን። ምስ ኣምሓሩ ወይ ኣዕራብ እንት ንልላተም ግን ክ ንገልፆ ዝ የገድድ ኵነት ይፍጥጠር።
ሎሚ፡ ል ቋንቋና “ትግርኝኛ” ኢልና ምፅውዋዕ ለሚድና ኣልለና። ዙ ስም ግን ናይ ቀረባ ኰይኑ ካብ ቃል ኣምሕርኝኛ ዝ ዀነ “ትግሬኛ/ትግሬኝኛ” ዝ ተወሰደ እይዩ። ኣብ ዝ ሓለፈ ከምኡ ኣይ ነበረን። ዘረባ ሓበሻ፥ ነገረ ኣክሱም፥ ዘረባ ክስታን፥ ወዘተ ዝ ይብሉ ኣስማት እኵኳ ዋላ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ እንተ ነበሩ፡ ዋንና ስም ቋንቋና ግን “ልስሳነ ትግራይ” ወይ “ትግራይ” ወይ “ትግራይና” እይዩ ነይሩ። ኣነ እኵኳ ኣብ ዕድመይ ሲ፡ “ብ ትግራይ እንታይ ይብብሃል?” ወይ “ብ ትግራይና እንታይ ይብብሃል?” ኢሎም ዝ ይሓትቱ ዓብበይቲ ሰባት ሰሚዐ እፈልልጥ እይየ። ትግራይ ወይ ልስሳነ ትግራይ ዝ ይብል ስም፡ ብ ፍልላይ ቅድሚ 1950ታት ኣብ ዝ ተፅሓፉ ሰነዳት ምርኣይ ይክክኣል። ዝ ተወስሰኑ ኣብንነታት ንጥቀስ።
ፈልላመይ ትርጓመ ሓድዲስ ኪዳን ዝ ዀነ መፅሓፍ ንርአይ። ቱ መፅሓፍ ኣቐዲሙ ብ ደብተራ ማቴዎስ ዘ ዓድዋ ዝ ተፅሓፈት ኰይኑ፡ ኣብ 1866 ዓምፈ (1858/9 ዓም)፥ ብ ሓገዝ ኣይሰንበርግ (Isenberg) ዝ ተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ባሰል ስዊዘርላንድ እይዩ ተሓትቲሙ። ቱ መፅሓፍ “ወንጌል፡ ቅዱስ፡ ናይ፡ ጐይታና፡ መድኀኒትና፡ ናይ፡ የሱስ፡ ክርስቶስ፡ ብትግራይ” ዝ ይብል ርእሲ ኣልለዎ። ል ቱ ቋንቋ እይዩ “ትግራይ” ይብሎ ዘልሎ።
ከምኡ እውውን ደብተራ ፍስሃ ዓብየዝጊ፡ ኣብ መፅሓፉ “ታሪኽ ኢትዮጵያ”፡ ል ቱ ቋንቋ “ትግርኛ” ወይ “ትግራይ” እና በለ እናለዋወጠ ይፅውውዖ እይዩ። ል ቱ ቋንቋ “ትግራይ” ኢሎም ዝ ይፅውውዑ ቀድዳመዎት መፃሕፍቲ ቋንቋታት ኣውሮፓ (እንግዝዘኝኛ፥ ጀርመንኝኛ፥ ፈረንሳይኝኛ፥ ጣልያንኝኛ፥ ወዘተ) ብዙሓት እይዮም። ኣብንነታት፦
- Grammatica della Lingua Tigrai ( P. Francesco da Offeio, 1907)
- Vocabolario tigray-italiano e repertorio italiano-tigray (Francesco, da Bassano, padre, 1918)
- Vocabolario italiano-tigrai e tigrai-italiano (Alfonso Cimino, 1904)
ብ 1904 ዓምፈ ብ ጣልያንኝኛ ተሓትቲሙ፡ ብ 1997 ዓምፈ ናብ ትግርኛ ኣብ ዝ ተተርጐመ መፅሓፍ “መረብ ምላሽ” እውውን፡ ል ቱ ቋንቋ፡ ትግራይ ወይ ትግርኝኛ ይብሎ።
ብ ናይ ቀደም ስርዓት ልስሳንና፡ ስም ቋንቋና “ትግራይ” ወይ “ልስሳነ ትግራይ” ክ ይዀን ግብቡእ እይዩ። ዙይ ብ ምርድዳእ እይዩ፡ ኢኖ ሊትማን ኣብ 1906 ኣብ ዝ ፅሓፎ ምርምራዊ ፀብፃብ፡ ቱ ቋንቋ ብ ናይ ባዕሉ ስርዓት “ትግራይ” ተብሂሉ ክ ይፅውዋዕ ግብቡእ ከም ዝ ዀነ ገሊፁ፥ ኰይኑ ግና እና ተለመደ ይኸድ ነይሩ ብ ዝ በሎ ስም “ትግርኝኛ” ክ ይፅውውዖ ከም ዝ መረፀ ዝ ይሕብብር። ቅድሚ ፅልዋ ኣምሕርኝኛ (ቅድሚ ምትትእትታው ስርዓት “ኛ” ከም ኣብ ትግርኝኛ፥ ኣምሕርኝኛ፥ ወዘተ)፥ ኣብ ልስሳነ ትግራይ እውውን፡ ከም ኣብ ግእዝ፡ ስም ቋንቋን ህዝብን ሓደ እይዩ ነይሩ። ዓረብ፥ ኣምሓራ፥ ኩናማ፥ ዓፋር፥ ወዘተ ኣስማት ህዝብታትን ቋንቋታቶምን እይዮም። ምፍፍልላይ ኣብ ዝ የድልየልሉ ድምማ ፡ ልስሳነ (ኣብንነት ልስሳነ ኣምሓራ፥ ልስሳነ ኣዕራብ፥ ወዘተ) ብ ምጥቃም ቱ ቋንቋ ካብ ህዝቢ ተፈልዩ ክ ይፅውዋዕ ይግብበር ነይሩ። ዙ ስርዓት ዋላ ሀዚ እውውን ኣልሎ እይዩ። ዓፋር፥ ኩናማ፥ ሳሆ፥ ወዘተ ከም ኣስማት ህዝብን ቋንቋን ገይርና ንጥቅቀመልሎም እይና። ሎሚ ሎሚ ግን፡ ስርዓት “ኛ” ብ ምጥቃም ቋንቋን ህዝብን ምፍላይ ኣዝዝዩ እና ተለመደ መፂኡ ኣልሎ።
4) መንንነት ኣብ ልስሳንና ብ ምንታይ ወይ ብ ኸመይ ይግልለፅ?
መንንነት ኣብ ትግርኝኛ ዝ ይግልለፅ ፩) ዋይ፣ ይ፣ [ት]ታይ፣ [ን]ናይ ብ ምውውሳኽ እይዩ። ል ኣብንነት ትግራዋይ፣ ኣምሓራይ፣ ሓመደዋይ፣ ቈፅለዋይ፣ ኣምበለዋይ፣ ትግረትታይ፣ ቈልለታይ፣ ደጕዓትታይ፣ ሓማሴናይ፣ ተምቤናይ፣ ራይየትታይ፣ ወልቀትታይ ወዘተ። እንት ይበዝሑ ድምማ፡ ሓመደዎት፥ ኣምብለዎት፥ ኣምበለዎት፥ ትግረትቶት፥ ደጕዐትቶት፥ ሓማሴኖት፥ ወልቀትቶት፥ ራይየትቶት፥ ወዘተ ይዀኑ። ፪) ግእዛዊ መበቈላዊ ቅፅል/ስም ብ ምጥቃም። ኣብንነት ኢትዮጵያዊ፣ ሱዳናዊ፣ ወዘተ። ፫) ቀደም ዝ ነበረ ሀዚ ግን እና ቐረየ ይኸድ ዘልሎ ቋንቋን ህዝብን ዝ ይውክክሉ ቃላት ብ ምጥቃም። ኣብንነት ዓረብ፣ ኩናማ፣ ዓፋር፣ ወዘተ መፀውውዒ ቋንቋን ህዝብን ነይሮም። ናብ ስም “ኛ” ብ ምውስሳኽ ቋንቋ ካብ ህዝቢ ፈሊይኻ ናይ ምግላፅ ልማድ ብ ኣምሕርኝኛ ኣቢሉ ናብ ትግርኝኛ ኣብ ቀረባ እውዋን ዝ ኣተወ እይዩ። ትግርኝኛ፡ ዙ ኣጥጠቓቕማ “ኛ” ካብ ዝ ይቕብበል ል ድሓር ቋንቋን ህዝብን ፈልዩ ምፅዋዕ ይለምምድ ኣልሎ። ስለ ዙይ ሎሚ ዓፋር ል ህዝቢ፣ ዓፋርኝኛ ድምማ ል ቋንቋ ይውዕል ኣልሎ። ከምኡ እውውን ዓረብን ዓረብኝኛን፣ ጣልያንን ጣልያኝኛን፣ ኩናማን ኩናምኝኛን፣ ኣምሓራይን ኣምሕርኝኛን፣ ትግራዋይን ትግርኝኛን፣ ወዘተ። ናብ ስርወ ቃል “ኛ” ብ ምውሳኽ ህዝቢ ምፅዋዕ ግን ምስ ባህርን ቅርፅን ቋንቋ ትግርኝኛ ኣይ ይኸድን። ል መጀመርታ ጊዜ (ንሱ እውን ኰነ ተብሂሉ ቱ ህዝቢ ካብ ሰፊሕ መንንነት ትግራዋይንነት ል ምፍላይ) ኣብ ጥቕሚ ዝ ውዓለ ኣብ ህዝቢ ከበሳ ምድሪ ባሕሪ እይዩ።
5) ታሪኽ ተጋሩ
ብሄራዊ መንንነት ሕሉፍ ታሪኽን ተዘክክሮን እውውን ይሓውውስ እይዩ ኢልና ነይርና። እምሞ ተጋሩ (ክልቲኡ ማዕዶታት መረብ) ሓበራዊ ታሪኽ ኣልለዎም ዶ? መልሱ፡ ኣልለዎምን ፈረቓን እይዩ። እንበለ ኣብ እውዋን መግዛእቲ ጣልያንን ሻዕብያን፡ ኵልሉ ዝ ተረፈ ታሪኾም ሓበራዊ እይዩ ምባል ይክክኣል። ዙይ ዝ ይምስክሩ ሰነዳት ምርካብ ቀልሊል እይዩ። ካብ 15 ክዘ ጀምሚሮም ብ ባዕዳውያን (ናብ ከባቢናን ዓድድና ብ ምምፃእን ብ ምርኣይን) ተፅሒፎም ኣብ ዝ ተሓደጉ መፃሕፍትን ሰነዳት ታሪኽን ምርኣይ ይክክኣል። ኣብንነት ሓደ ካብ 1577–1626 ዓምፈ ዝ ነበረ ሳሙኤል ፐርቻዝ (Samuel Purchas) ዝ ተብሃለ ወድዲ ለንደን፡ ዓድድና መፂኡን ርእይዩን ዝ ፅሓፎ መፅሓፍ እንት ንርእይ፡ ትግራይ፡ ካብ ወሰን ባሕሪ ኤርትራ (ቀዪሕ ባሕሪ) ከም ዝ ትጅምምር፡ ግን ንስሱ ኣብ ዝ ሓለፈልሉ እውዋን፡ ቱርካውያን ል እቶም ወደባታ ተቘፃፂሮምዎም ከም ዝ ነበሩ ይገልልፅ።

ካልእ ኣብንነት፡ ብ ዘመነ ወራር ግራይ ኣሕመድ (ኣብ 16 ክዘ)፡ ብ ፅሓፊ ታሪኹ ኣብ ዝ ተፅሓፈ “ፍቱሕ ኣል ሓበሻ” ዝ ተብሃለ መፅሓፍ፡ ሓማሴን፥ ሰራእየ፥ ቡር (ኣክካለ ጉዛይ) ሓዊሱ ል ኵልሉ ቦታታት ተጋሩ፡ ግዝኣት ትግራይ እና በለ ይገልፆ። ኣብንነት ል ሹም ሰራኤ ከም ዙይ ኢሉ ይገልፆ፦
“The sum of Saraye in Tegre, whose name was Takla, charged the sheikh Mika’el and struck him in the foot with his spear, breaking the bone. The spear came out, glistening, from the other side. He was laid up for two days, and then he died. May Almighty God have mercy upon him, with the mercy that he reserves for the godly.”
ኣብ ቀረባ ግዝየ እኵኳ እንተ ርኢይና፡ ብ ውሑዱ ብ ዘመነ ራእሲ ሚካኤል ስሑል፥ ዘመነ ራእሲ ወልደስላሴ፥ ዘመነ ውቤ ሃይለማርያም፥ ዘመነ ሃፀይ ዮሓንስ 4ይ፥ ወዘተ ሓደ ዓይነት ታሪኽን ተዘክክሮን እይዩ ዘልለዎም። ወልደስላሴ፡ ካብ ቀይዪሕ ባሕሪ ክሳብ ኣልውሃ ሓደ ገይሩ፡ ራእሲ ትግራይ ተብሂሉ ይገዝዝእ ነይሩ። ውቤ ሃይለማርያም እውውን መልላእ ዓብባይ ትግራይ (ካብ ቀይዪሕ ባሕሪ ክሳብ ሰሜን ጐንደር) እይዩ ንጉስ ትግራይ (ወይ ድምማ ደጅጃዝማች ትግራይ) ተብሂሉ ይገዝዝእ ነይሩ። ብ ምኽንያት ዙ ሓበራዊ ተዘክክሮ እይዩ “ብ ዘመነ ዉቤ ያ ዝ ፀመመ ሲ፡ ዉቤ ዉቤ ይብል” ዝ ንብል። ብ ዛዕባ ዘመነ ሃፀይ ዮሓንስ፡ ብዙሕ ምፅሓፍ ዝ የድልዮ እውውን ኣይ ኰነን።
5) መንንነት ራእይን መፃእን እውውን ይሓውውስ እይዩ
ነውዊሕ ሓበራዊ ታሪኽን ቅይያን ዘልለዎ ህዝቢ ፅኑዕ ወ ድልዱል መንንነትን መንፈስን ይህልልዎ። ዙ ፅኑዕን ድልዱልን መንፈስ ህዝቢ ድምማ፡ ዓብበይቲ ሓበራዊ ዕይዮታት ክ ይዓምምም ዕጥቂ ይዀኑዎ። ባዕል ነውዊሕ ሱር መንንነት ዘ የብልሉ ህዝቢ፡ ዓብበይቲ ዕይዮታት ክ ይዓምምም ኣይ ይኽእልን። ኣብ ቅልውላው መንነት ኣትዩ የዕነይንይ፥ ጕልበቱን ቀልቡን ኣብ ንትርርኽ፥ ኣብ ባእሲ፥ ኣብ ከንታ መንቱ ነገራት የውዕሎ። መንንነትን ታሪኽን፡ ልቦና ህዝብን መፃኢ ዕብየት ህዝብን ዓብዪ ፅልዋ ኣልለዎም። ል ዙይ እይዮም ዋላ ምዕቡላት ዓድድታት ኣብ ምትእልላሽን ምምሃዝን ሓበራዊ ብሄራዊ መንንነት ዝ ይፅምመዱ። ኣብ ኣውሮጳ እኵኳ ሲ ምስ ታሪኽ ግብፃውያን፥ ሮማውያን ግሪካውያንን ክ ይዝዛመዱን ክ ይትተኣሳሰሩን ዝ ይገብሩዎ ፃዕሪ ዓብዪ እይዩ።
መንንነት ግን፡ ታሪኽ ጥራሕ ኣይ ኰነን። ራእይ፥ ኣምማቲ ኣንፈት፥ ኣምማቲ ባህጊ፥ ሰረት መፃኢ ᎌለቲክካ እውውን እይዩ። ባህግን ራእይን ህዝቢ ይሕብብር። ትሕብብር ወይ ጐንፂ ይውስስን። ሓደ ህዝቢ፡ ክ ይፍልለይ ድይዩ ዝ ይደልልይ ወይ ሲ ክ ይሓብብር? ሓበራዊ መፃኢ ክ ይሃንንፅ ድይዩ ዝ ይደልልይ ወይ ሲ ዝ ተፈላለየ? “ስም ይመርሖ ለ ግብር” ይብሉ ዓብበይቲ ዓድዲ። ክ ይትተሓባበር፥ ክ ይሰምምር፥ ክ ይዓብብይ ዝ ደለኻይዮ ህዝቢ፡ ሓደ ብሄራዊ መንንነትን ሓደ ስምን ክ ይህልልዎ እይኻ ትፅዕር። ክ ይፅፃላእ፥ ክ ይብበታተን፥ ክ ይንናቘት፥ ከ ኢ ይትተሓባበር፥ ክ ይደቅቕ፥ ወዘተ ዝ ደለኻይዮ ህዝቢ ድምማ ብ ዝ ተፈላለዩ ኣስማት ተጠምምቖ፥ ትኸፋፍሎ፥ ተብባእሶ፥ ተንናቝቶ። ስም (ብ ፍልላይ ስም መንነት ህዝቢ) ዓብዪ ᎌለቲክካዊ ትርጕምን ሳዕቤንን ዘልለዎ እምበር፡ ታራ መፀውውዒ ጥራሕ ኣይ ኰነን። ሓበራዊ ስም ብሄራዊ መንንነት፡ ፈልላማይ ሰረት ᎌለቲክካ፥ ባህግን መፃእን ሓደ ህዝቢ እይዩ። ዝ ዀነ ስዋ ሰንበት፥ ፀበል፥ ማሕበር፥ ውድዳበ፥ ሰልፊ ወዘተ እኩኳ ሲ ሓበራዊ ስም (መፀውውዒ) ብ ምውፅፃእ እይዩ ዝ ይጅምምር። እንበለ ሓበራዊ ስም፡ ሓበራዊ ራእይ ይዅን ዕላማ ያ ኣይ ይህልልውን።
መደምደምታ
እምብኣርከስ፡ ብሄራዊ መንንነት ይዅን ሓበራዊ ስም፡ ብ ነውዊሕ ሓበራዊ ታሪኽ፥ ተዘክክሮ፥ ኲናትን ትሕብብርን ዝ ይፍጥጠር፡ ል ሀዚ ይዅን ል መፃኢ እውውን ዓብዪ ልቦናዊ፥ ᎌለቲክካውን ኢኰኖምያውን ትርጕምን ረብሓን ዘልለዎ ነገር ድኣ እምበር፡ ከም ቱ ኣማኑኤል ሳህለ፡ ብ ዘ ኢ ምስትብሃል፡ ዝ ኣቅቃለሎ፡ ቀልሊል ጕድዳይ ኣይ ኰነን።
ተጋሩ ማዕዶታት መረብ፡ ዕጨኦምን መፃኢኦምን፡ ከም ኣብ ነውዊሕ ሕሉፍ ታሪኾም፡ ሓደ ምዃኑ ተገንዚቦም ዶ ሓበራዊ ᎌለቲክካዊ ዕማም ብ ምዕማም፡ ውርደቶምን ድቅቀቶም ቀልቢሶም ናብ ክብሪ፥ መጐስን ግብቡእ ቦትኦምን ይምልለሱ፡ ወይ ሲ፡ ከም ትልሚ ፀላእቶም፡ ተፈላልዮም ንስሰ ንስሳቶም እና ተዳቐቑን እና ተናቘቱን ውርደቶም፥ ድቅቀቶምን ጥፍኣቶምን የቅቀላጥፉ? ንስሱ እይዩ ቱ ዓብዪ ሕትቶን ዕይዮን ተጋሩ ማዕዶታት መረብ! ል ዓብዪን ቅድዱስን ፕሮጀክት ሕብረትን ትንሳኤን ተጋሩ ዶ፡ ል ቐፅፃሊ ውርደት፥ ድቅቀትን ጥፍኣትን ንትጋህ? ኣበየናይ ንፅመድ?
ዚኣቶም እውውን ርአዩዎም፦