Connect with us

Uncategorized

መልእኽቲ ሃለቃ ሃይለ ካብ ሓምዳዪት፥ ሱዳን

ብዕለት 19/04/2013 ዓ/ም ካብ ከተማ ሽረ ናብ ሑመራ ዝመፃእኹም፡ ሑመራ ሰላም ስለ ዝኾነት ንዓድኹም ተመለሱ ኢሎም ብ 6ተ ተስሓብቲ መኻይን ፅዒኖም ናብ ከትማ ሑመራ አምፂኦምዎም ‘ዮም። ካብኡ ፋኖ ዝበሃል ዕጡቕ ኣብቲ ከተማ ፀኒሑ እንታይ ክትገብሩ መፂእኹም ኢሉ ናብ ዓብይ ግቢ ኣእቲው ዳጒንዎም እዩ።

Published

on

22/04/2013 E.C

ካብ ዕለት 24/02/2013 ዓ/ም እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ካብኡ ንደሓር ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዘሕደሮ ፅልዋን ብተለይ ካብ 30/022013 ዓ/ም ሰራዊት ኤርትራ ንከተማ ሑመራ ብከቢድ ምስ ደብደባ ኣብቲ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሕብረተሰብ መረበቱ ገዲፉ ገሊኡ ንምብራቕ ገሊኡ ንመሬት ሱዳን እዩ ኣትዩ። ኣብኡ ብቲ ከቢድ (ደብዳብ) ኣብ ገዝኦም ውዒሉ ምስ ስድረኦም ዝተረፉ’ውን ክንደይ ክንብሎም ካብ ንፈልጦም ግን ሓድ ኣቶ ገብረገርግስ ዝበሃሉ ምስ ስድርኦም ተደፊኖም ‘ዮም።

ካብዚ ንደሓር ካብ ዕለት 01/20/13 ዓ/ም ሰራዊት ኣብይ፤ ሰራዊት ኢሳያስን ፋኖን ምልሻ እምሓራን ንመላእ ዞባ ምዕራብ ብኵሉ ኣንፈት ምስተቆፃፀርዎ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ኩሉ ጣብያታት መብዛሕቲኡ ንሱዳን ገሊኡ ከዓ ንምብራቕ ተዳሂሉ ‘ዩ። ካብኡ ዝተረፈ ግን ገሊኡ ሂውቱ ስኢኑ ገሊኡ ድማ ተጎንባሕ ተጠላዕ እናተብሃለ ክሳብ ሐዚ ሰብ መረበቱን ንብረቱን ገዲፉ’ዩ ዝሃድም ዘሎ። እቲ ትግራዋይ ናይ ምጥፋእ ኣጀንዳኦም ሐዚ’ውን እንተኾነ እናከፍአ እዩ ዝመፅእ ዘሎ። ኣብ ቀረባ መዓልቲ ሰራዊት ኣብይ ኣብታ ኣነ ዝነብረላ ጣብያ 5ተ ሰላማውያን ሰባት ሓደ ውዲ 80 ዓመት ዝርከብዎም መናእሰይ ቀንፂሎም ‘ዮም።

እዚኦም ካብታ ንእሽተይ ጣብያ ካብ 1500 ሰብ ዝነብረላ ጣብያ እያ ካብኡ ከዓ እቲ ጠቕላላ ሕ/ሰብ ወፂኡ እዩ ፀኒሑ እዚኦም ምስ ከምኦም ዝበሉ ውሑዳት መናእሰይን ኣረጕቶትን ዝፀንሑ’ዮም። ኣብተን ቡዙሕ ሕብረተሰብ ዝነብረለን ከተማታት ከም ዳንሻ፥ ሑመራ፤ ማይ ካድራ፤ አደባይ፤ ዓዲጎሹ ዝበሃላ ከተማታት ተቀንፂሉ ዘሎ ህዝቢ ክንደይ ኢልካ ክቁፀር።

ብሓፈሻ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ብወረርቲ ዕጡቓት ኣብይን ኢሳያስን ትውረር ‘ያ ዘላ። ንብረት ህዝቢ ከቲቶም ወዲኦም እቲ ኣብ መሬት እንተይተልዓለ ዝሓደግናዮ ምሸላ እናደገጉን እናፀዓኑን ‘ዮም ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው። ብጣዕሚ’ዮ ዘሕዝን እንተይ ዘርአ ዝበልዕ ባርኖስን ኣንበጣን እንበር ሰብ ዘይዘርኦ ክበልዕ ንመጀመርያይ ‘ዩ።

እዙይ ኢለካ ዘልኹ እታ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ እንብር ኣብ መላእ ትግራይ ከመይ እንታያ ኣጋጢሙ ትሰምዖ ትህሊ ኢኻ።

ናይ እንዳ ገባር እኽሊ እንዳቃፀሉ እንስሳ እናሓረዱ ዝበሉዑን ዝወርዎን ዘለው።

ብኡ ልክዕ ሂወት ሰላማውያን ሰባት ከም ቆፅሊ ዝረግፍ ዘሎን።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ናይ ሱዳን መሬት ምስ ኣተውና ‘ውን ካብኡ ዘይነኣሰ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። እኹል ዝኾነ ምግቢ፥ መፅለሊ የለን

በተልይ ኣብታ ግዚይዊት መዕቆቢ ተባሂላ ትፍልጥ ሓምዳይት ምስቲ ዘሎ ህዝብን እቲ ቀረብን ብጭራሽ እይመጣጠንን። ኣብ 2ተ ወይ 3ተ ድስቲ ገዓት ግዒቶም ‘ዮም ንሰብ መሲሑን ተደሪሩን ዝብልዎ ዘለው። መፅለሊ ‘ውን እንተኾነ 7 ገዛውቲ ን 40 ሰብ ዝሕዝ ሰሪሖም ‘ዮም እቲ ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ኣብ ፀሓይርን ቁርን ‘ዩ ተሰጢሑ ዘሎ። ናይ ሕክምና እንትይልካ ድማ ላባላቶሪ ዝበሃል የለን ብግምት ‘ዩ ዝወሃበካ ዝኾን ይኹን መድሓኒት። ስኣን እኩል መመርመሪ ወይ መድሐኒት ክሳብ ሐዚ ብሕማም 3 ሰባት ሓንቲ ህፃን ጓል ሓደ ዓመት ትርከቦም ግዳያት ኰይኖም እዮም።

ካሊእ ወታደራት ኣብይን ኢሳያስን ንህዝቢ ትግራይ ንመንእሰይ ትግራይን ከምዚ ክብሉ የታልልዎ ኣለው። ሐዚ ኣብዚ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም? ንሱዳንኹም ትኸዱ ካብኡ ቀይሕ መስቀል ንወፃኢ ክሰደኩም ‘ዩ እናበሉ ካብ መሬት ሓውዜን ሽረን ካልኦት ካብብታት ዝመፁ መናእሰይ ረኺብ እየ።

ካሊእ ብዕለት 19/04/2013 ዓ/ም ካብ ከተማ ሽረ ናብ ሑመራ ዝመፃእኹም፡ ሑመራ ሰላም ስለ ዝኾነት ንዓድኹም ተመለሱ ኢሎም ብ 6ተ ተስሓብቲ መኻይን ፅዒኖም ናብ ከትማ ሑመራ አምፂኦምዎም ‘ዮም። ካብኡ ፋኖ ዝበሃል ዕጡቕ ኣብቲ ከተማ ፀኒሑ እንታይ ክትገብሩ መፂእኹም ኢሉ ናብ ዓብይ ግቢ ኣእቲው ዳጒንዎም እዩ።

እዚ ፅሁፍ ክሰደልካ ከልኹ ከጨንቐካ ምዃኑ ይፈልጥ ‘የ ግን ብዝተክኣለካ ነዚ ፅሑፍ ኣንቢብካን ተረዲእኻን ዝቕነስ እንተሃሊዎ ቀኒስካ ዝስተኻኸል እንተሃሊዎ ‘ውን ኣስተኻኺልካ ዝምልከቶ ኣካል ንኸፈልጦ ግበር ኢኻ። ኣብ እዚ ዘለና በተሰብካ ድማ

[6 ዝርዝር ሰብ ስድራ ኣዝማድ ል ድሕንነት ተዓቂቡ] ኣብ እዚ ምስ ስድራና ኣቲና ኣለና። ካብኡ ሓደ ነገር ግን ክእብለካ እደልይ። ኣብ እዚ ብ ሂወት ምስ ቆልዓ ሰበይትና ንሃልው እምበር ብጣዕሚ ተፀጊምና እይና ዘለና። እንተኽኢልካ ንእሽተይ ክትሕግዘና ንደልይ እንተዘይኪልካ ግን እቱ መልኽቲ ኣሕልፈልና። ብ ቢሮ ዝፅሓፍኩልካ ኢንተርኔት እናተቛረፀ ስለ ዝኣበየኒ እዩ። ካብኡ ቻርጅ መግበሪ እውን ፀገም ስለ ዘለዎ እዩ።


ቻው

ሃለቃ ሓይለ


ሃለቃ ሃይለ ድሕሪ ዝተወሰነ ምዓልትታት ድማ ዝይስዕብ መልእኽቲ ልኢኹለይ


ሰላም ከመይ ቀኒካ?

ሓደ ነባሪ ጣብያ በረከት ካብ ዝነገረኒ ክፅሕፈልካ።

3 ምልሻ ነበርቲ ጣብያ በረከት ዝኾኑ ብረትኩም ኣረክቡ ኢሎም ብረቶም ምስተረከቡ ንስድረኦም ኣሲሮም ነቶም ምልሻ ቀቲሎም ኣብ ፅርግያ ዘረጊሖምዎም እዮም። ዝርዝሮም

1 ገበረሚካኤል ኣረጋዊ

2 ኪዱ (ምንጭር)

3 አበባው መንግሥቱ

አበባው መንግሥቱ ተወላዲ ቅማንት ኰይኖም፡ ግፍዓዊ ዝዀነ አቀታትላ ቀቲለምዎም እዮም። ካልኦት ሰላማውያን ሰባት አብቲ ቦታ ዝተቐተሉ ድማ

1 ሃይሉ ግደይ

2 ገብረመስቀል ሃይለ

3 ገረዚሄር ዓንዳይ

4 ዘመልኣክ ዝበሃል በንዚን ዘከፋፍል

5 ስንታዮ ዝበሃል ናይ ባጃጅ ሽፌር

6 አርከበ

7 ገብሪሃንስ

8 3*ስሞም ዘይተፈልጡ ሰባት ብወታደራት ኣብይን ዕጡቃት አምሓራን ግዳያት ኮይኖም እዮም።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT