Connect with us

Uncategorized

ዛንታ ሰለስተ ወለዶታት፦ ነጋሲ፡ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ!

ኣቦይ፡ ኣብ እቱ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሰወኦ መቓልስቱን ዓርኩን ል ምዝካር፡ ነጋሲ ኢሉ ዝሰመዮ ንኡሽተን ሓወይ፡ ኣብ እዚ ወራር ብ ቁምብላ ተቐቲሉ። ምስኡ ዝነበረት ሓፍተይ ግን ጕድኣት በፂሑዋ ተሪፋ፡ ሕዚ ወዲ ወሊዳ ነጋሲ ብ ምባል ዛንታ ሰለስተ ወሎዶታት ኣሸኪማቶ።

Published

on

ነጋሲ ገብረመድህን ልክዕ ከም እቶም ካልኦት ብፃያቱ ፡ ቅድሚ 37 ዓመታት ኣቢሉ ፡ ዘውዳውያን ገዛእትን ፋሽሽታውያን ወረርትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ የብፅሕዎ ዝነበሩ ግፍዓዊ መግረፍቲ፣ መርሸንትን ዕንወትን ንምቅላስ፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ሓራ ህዝቢ ኰይኑ “ል ካሊእ ወፅዓን በደልን ከም ዘኢንምነ ኵሉ፡ ኣብ ልዕሌና ዝይበፅሕ ወፅዓን በደልን ፈፂምና ኣይንቕበልን” ቢሉ ብ ዝገበሮ ዘኢይሕለል መሪር ብረታዊ ቃልሲ 17 ዓመታት፡ ድሙቕ ዓወት ክይምዝገብ ተኽኢሉ እዩ። ወላድ ትግራይ መላምል ደቃ መሪቓ ናብ በረኻታት ትግራይ ሰንያ፡ እቲ ዝትደልዮ ዓወት ዓቲራ እያ። ጅግና ተጋዳላይ ነጋሲ ብ ዕላማ እኳ እንተዘኢሞተ፡ ነገር ግን እዚ ዓወት ክሻብ መወዳእታ ክይርእይ ኣይበቕዐን ኣይተዓደለን። ብ ፀላእቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ወላዲና፡ ብ ሕሱም መርሸንቲ ል ስለ እቲ ተሪር ዕላማ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ክብርቲ ሕይወቱ መስዋእቲ ገይሩ። 

ቈልዑ እናሃለውና፡ ዛንታታትን ታሪኽን ገድሊ ካብ ወለድና ምስማዕ ካብ ዘሐጕሱና ዝነበሩ ነገራት እቲ ቀንድን ሓደን እዩ። ክሻብ ሀዚ ዘኢንርስዖም ብዙሓት ዛንታታትን ታሪኻትን የዋግዑና እኳ እንተነበሩ፡ ወላዲና መኰነን ብዛዕባ ስዉእ ብፃዩ ነጋሲ እንተዋግዐና ግን፡ ኣብ ኣንደበቱ ፀብለልታን ፍሉይ ዝዀነ ተመስጦን ንዕዘብ ነይርና። ብ ህይወት ሃሊው ክንርእዮ ንህንጠው እውን ነበርና። ዝዀነ ግዜ ክዓ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብ ሞት ንዝተፈለየና ንእሽተን ሓውና፡ ል እቲ ኣዝዩ ዝይፈትዎን ዝይናፍቖን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝተሰውአ ስም ብፃዩ ነጋሲ ል ምዝካር ፡ ሓደ ዓይነት ስም ክይውህቦ ድሌት ከም ዝነበሮን ከምኡ ከም ዝገበረን ነጊሩና እዩ። ነጋሲ — ወራሲ! መቓልስቱ ስውእ ብፃዩ ዘሕለፎ ሕይወት፡ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኣትዩ ስለ ቃል እቲ ቃልሲ፡ ብ ግፍዓዊ መቕተልቲ ሕይወቱ ምሕላፉ፣ እቲ ፅንዓቱን መንፈስ ተቓላሳይነቱን፣ ሰዓራይነት፣ ቤዛ ህዝብን ደላዪ ለውጥን ምዃን፣ ባህግን ርትዕን ብፃዩ ብ ደቁ ክይውረሱ ግዲ ደልዩዎም ነይሩ ሲ፡ ል እቲ ንእሽተን ሓውና ነጋሲ ቢሉ ሰይምዎ። ነጋሲ መኰነን . . . 

ነጋሲ ብ 29 ነሓሰ፣ 1993 ዓ.ም ካብ ከተማ ዳንሻ ል ኣንፈት ምዕራብ ኣስታት 10 ኪ.ሜ ተጕዒዝካ፡ ፍሉይ ስሙ መንደር ኣውሮራ (ስፍራ ጀጋኑ) ኣብ ዝይብሃል ቦታ ተወሊዱ። ብ ፅቡቕ ዓብዩ፡ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ናብ ቀፃሊ ምዕራፍ ሕይወቱ ኣብ ዝሸባሸበሉ እዋን፡ ከኢተፀበናዮ ለበዳ ሕማም ኰረና መፅዩ ትምህርቱ ሓደ ዓመት ኣተኣጓጒልዎ እዩ። ይዅን እምበር፡ ሓፍትና ታሪክ ድሕሪ ምዝዛም ትምህርታን ምረቓኣን ካብ ዩንቨርስቲ ኣክሱም፡ ኣብ ሑመራ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ፀባ ተቘፂራ ትሰርሕ ስለ ዝነበረት፡ ነጋሲ ምስኣ ከይዱ (ወትሩ እውን ምስኣ ክይዀን ትደልይ ስለ ዝነበረት) ሓፀርቲ ናይ ተግባረ-እድን ሞያን ትምህርቲ ምክትታል ጀመረ። 

ስውእ ነበር ተጋዳላይ ነጋሲን ወላድየይን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ትግራይ፡ ተኽ እስትንፋስ ኣዕሩኽትን ደቂ ሓንቲ ኣሃዱን እዮም ነይሮም። ብ ሓደ ኰይኖም፡ ጎቦታት ሽንጥሮታት፣ ቍልቁለት ዓቐበት፣ ስቓይን ተስፋን መቐረትን ፈተናን እቲ ቃልሲ ኣሕሊፎምን ኣስተማቒሮምን እዮም። ኣቦና ቈልዑ ኰይንና እንተዋግዐና፡ ቅርበቶምን ዕርክነቶምን፡ ኣብ ሓንቲ ገዛ ንመዋእሎም ብ ሓደ ዝዓበዩ ገይርካ ክትርድኦም የገድድ ምንባሩ እዝክር። ል ሕይወቶም ከኢሰስዕዑ፡ 

“ዘኢንድይቦ ጎቦ ዘኢንሰግሮ ሩባ፡ ፍፁም ወይ ከ የለን፣

መስመር እዩ ሓይልና፡ ህዝቢ እዩ ሓይልና፡ ወይ ከ ኣይንስዓርን፣ 

ሓሩር ፀሓይ ነዳድ፡ ህቦብላ ማይ በረድ፣ 

ማይ ማይ ትበል ነብሲ ኣብ ጀቕጀቕ ትረግረግ፣ 

ደንጐላ ንተርኣስ፡ ብዓቲ ይኹን ቤትና፣ 

ለይትን ቀትርን ጕዕዞ ይድከም ይጥመየና ….” ቢሎም ዘሚሮም፡ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ፡ በቲ ግዜ እቲ ሓዱሽን ድሙቕን ታሪኽ ኣፅሒፎም ሓሊፎም። 

20 ጉንበት፣ 1983 ዓ.ም ስርዓት ፋሽሽታዊ ደርጊ ምስ ምሉእ ሓሻኽሩ፡ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብ ዓወት ተደምሲሱ።

ድሕሪ 1983 ዓ.ም ዓዲ ሰላም ኰይና ፤ ናይ ዴሞክራሲ፣ ሰላምን ልምዓትን ሃዋህው ተኸፊቱ ፤ ትግራይ መላምል ደቃ ገቢራ፡ ሓዱሽ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቚማ። 

ኣብ ግዜ ሰላም፡ ትካላት ልምዓት፡ ትምህርትን ጥዕናን ይስፋሕፋሕ፤ ህፃውንቲ ደፍተር ይጭብጡ፤ ቢሮ ይዓትሩ፤ ሙሁር  ይመራመር ይፈላሰፍ፤ ሓረስታይ ይሓርስ፣ ይጕልጕል፣ ይዓፅድ፣ ምህርቱ ይሓፍስ። ዓዲ ብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪን ትንደቕ። ስድራ ስውኣት ብ ልምዓት ብ ለውጢ ይክሓሱ፣ ጕድኣት ኣካላት ይጥወሩ፤ ዝደኸመ ኣብራኽ፣ ዝተፈተነ ሕልይና ክዓ ይዓርፍ። ደም ዘፍሰሰ ህዝቢ ፅሩይ ዝይስተ ማይ፡ ፀባ፣ መጨባን ምዓርን ክይረክብ ክይረውይ ይግበር። ስለዚ ኣብ ግዜ ሰላም ካብ ኰንና፡ “ዘኢንድይቦ ጎቦ ….” ዝይብል ብሄራዊ መዝሙርና፡ ብ ኻሊእ ል እዚ ዝንገብሮ ዝነበርና ምንቅስቓስ ዝይገልፅን ዝይምጥንን ሓዱሽ መዝሙር ክይቕየር ከም ዘለዎ ካብ መንጎ ዝይካትዑ ሰባት ሓደ ኣነ ነይረ። 

ነገር ግን ዘኢተዛዘመ ምዕራፍ፣ ዘኢተመልአ ዕዮ ገዛ ግዲ ነይሩና ሲ፡ ክሻብ ሀዚ “ዘኢይንድይቦ ጎቦ …” እናዘመርና እናሃለውና፡ ካሊእ ፈታንን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ገጢሙና። ኣብ ጫፍ ጎቦ እናበፃሕና፣ ዝተዓወትና እናመሰለና፡ እናደቀስና፡ ካብ ምድቃስና ክዓ ል ታሕቲ እናንከራረና፡ ኣደዳ እቶም ምሕረት ወ ሰብኣውነት ዘኢይፈልጡ ሕሱማት ፀላእትና ኰይና። ድሕሪ 30 ዓመታት፡ እቲ ወለድና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ኣጥፊእናዮ ዝበሉና ፀላኢ፡ ብ ፍሉይ መልክዕ ካልኦት ግዳማውያን ሓይልታት (ምስ ፈተውቲ እቲ ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ሎሚ ናብ ፀላእቲ ዝተቐየሩ) ኣተኣኻኺቡ፡ ተጠናኺሩ ክይጎብጠና መፅዩ። ኣብ እቲ እዋን እቲ ጠቕሊሉ ናብ ገደል ክፀድፍ ዝነበሮ ፀላኢ ኣብ ጫፍ እቲ ገደል ግዲ ገዲፍናዮ መፂእና፡ ሀዚ ኣንከራርዩ ዓድና ኣባዲምዋ፣ ኣዕንዪዋ። ትግራይ ዳግም ዓሰርተ ኣሽሓት መላምል ደቃ ስኢና። 

ከተማ ሑመራ፡ ብዙይ ዝይካየድ ዘሎ ኲናት ፅንተት ዓሌተ ትግራይ ኣዝየን ካብ ዝተሃሰያ ከተማታትን ዳርጋ ምሉእ ነባሪ እታ ከተማ ፈለማ ናብ ሀገረ ሱዳን፡ ድሓር ክዓ ናብ ማእኸል፣ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ብ በዝሒ ዝተፈናቐለላ እያ። ኣብ ጥቅምቲ 30ን ሕዳር 1ን 2013፡ ካብ ኤርትራ ኦም-ሓጀር ብ ሰራዊት ሻዕብያ፣ ብ ሰራዊት ኣብዪ ኣሕመድን ምልሻታት ኣምሓራን ክዓ ካብ ባዕኸርን ትርካንን ብ ዘኢምቍራፅ ብ ከበድቲ ኣፅዋራት ዝተደብደበት ከተማ እያ። ብዙይ ሃንደበታዊ መጥቃዕትን ዕንወትን ነባሪ እታ ከተማ ካብ መንበሪኡ ወፂኡ፡ ሕይወቱ ከድሕን፡ ግዝያዊ መፍትሕታትን መማረፅታትን ይወስድ ነበረ። ምንኣስ ሓወይ፣ ሓፍተይ ምስ ብዓል ቤታን፡ ካብ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝይካየድ ዘሎ ኲናት ፅንተት ዓሌተ ትግራይ ል ምምላጥ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ጐረባብቶም ሕይወቶም ል ምድሓን ተተሓሒዞም ካብ ገዛ ወፅኡ። ብ ጠቕላላ ዓሰርተ ሰባት እዮም ነይሮም። ንእሽተን ትጕዕዝ ምስ በሉ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ፅርግያ ኰይኖም ናብ እቲ ቢንቶ እናኣመዓደው፡ “ብዙይ ንኽየድ፡ ኣብ እቲ ቢንቶ ንተሓባእ” ይብሉ ነበሩ። ኣብ መንጕኡ ብዙይ መፅአ ዘኢተብሃለ ቁምብላ ኣብ ቅድሚኦም ዓለበ። ምድረ ሰማይ ብ ሓመድ ክድን በለት። ቅድሚ ደቓይቕ ል ምዕቛብ ናብ እዝን ናብ እትን እናበሉ ዝይጓየዩ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት፡ ምንም ኣበሳ ዘየብሎም እኳ እንተዀኑ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ዝይነብሩላ ከተማን ዝይወርድ ዝነበረ ግፍዒ ግን ማእለያ ኣይነበሮን። ካብ እዚ ል ምምላጥ፡ ምሳሕ ፀላኢ ል ዘኢምዃን ዝጓየዩን ዝሃድሙን ዝነበሩ ፍጥረታት፡ ደቓይቕ ኣብ ዘኢይመልእ ብ ቕፅበት ናብ ሬሳታት ተቐይሮም በቢ ፀግዑ ረፍ ኢሎም ወደቑ። ምስክር (ሰብኣይ ሓፍተይ)፡ ዝሐሸ ቦታ ክእልሽ ካብኦም ተፈልዩ ከይዱ ስለ ዝነበረ፡ ዝሐሸ ቦታ ኣግንዩ ናብኦም እንተተመለሰ፡ ሕድሕዶም ብ ሓመድ ተቐቢሮም በቢ ቦትኡ ወዲቖም ረኸቦም። መን ካብ መን ምፍላይ ኣብ ዘፀግመሉ ደረጃ በፂሑ ከም ዝነበረ ሀዚ እቲ ተጓንፎኡ የዘንትወለይ። ብ ዝርአዮ መስካሕኽሒ ቅትለት፡ ቀስሙ ተሰቢሩ እዩ። ነገር ግን ተስፋ እንተኢቘረፀ ሕድሕድ ሬሳ እናጋላበጠ ኣለሽኡ ቀፀለ። ብ እቱ ፀግዒ ቢንቶ፡ ካብ ልቡ ዝየፍቅራ ብዓልቲ እንድኡ፣ መናብርቱ መኻፍልቲ ሕይወቱ ሓፍተይ፡ ኣብ ብዙሕ ኣካላታ ብ ፍንጃር እቲ ቍምብላ ተወቒዓ፣ ብዙሕ ደም እናፈሰሳ፣ ሓመድ ብ ሓመድ ተኸዲና ረኸባ። ግዜ ሰላም እዩ ቢሉ፡ ናብራ መስሪቱ፡ ኣምሳሉ ዓይኑ ብ ዓይኑ ክርእይ ኣብ ዝህንጠወሉ ግዜ፡ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ መደገኣፍ ሞት ፀኒሓቶ። ብ ሕይወት ምህላዋ ኣግራሞት ፈጢሩሉ፡ ብድንጋፀ ል ገዛ ተሎ ወሰዳ። ፅንሕ ኢሉ እውን ካልኦት ዝይጓየዩ ዝነበሩ ጐረባብቲ ፀዊዑ ረይሳታት ንእሽተይ ሓውናን እቶም ካልኦትን ሒዞም ናብ ሑመራ (ካሕሳይ ኣበራ) ሆስፒታል ክየዱ። 

ድሕሪ ውሱን ሰዓታት፡ ሰራሕተኛታት ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ ኣበራ፡ እቲ ሆስፒታል ስለ ዝተወቐዐን ብ ዘኢየቋርፅ ደብዳብን ዕግርግርን ነበራይ እታ ከተማ ተደናጊፆም ካብ እቲ ሆስፒታል ወፅዮም ክየዱ። ምስክር እውን ብዓልቲ እንድኡ ሒዙ፡ ል ኣዅሱም ናብ መላእ ስድራ ል ምፅምባር ጕዕዝኡ ቀፀለ። ካብ ሑመራ ኣሽዑኡ ወፂኦም፡ ል ኣንፈት ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ሑመራ 20 ኪ.ሜ ተጒዒዞም ኣደባይ ኣተው። ፃት እንተኢፀንሑ፡ ፀላኢ እውን ደድሕሪኦም የርክቦም ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ ካብ ዝረኸብዎም መሓዙት ምስክር ክልተ ሽሕ ብር ተለቂሖም፡ ኣብ ጋቤና ሓንቲ ኣይሱዙ (Isuzu)  ተሳፊሮም ምሉእ መዓልቲ ትጕዕዝ ውዒሎም ምሸት ሽረ ኣተው። ድሕሪ ፃንሒት ክልተ መዓልቲ ካብ ሽረ ተልዒሎም፡ ኣዅሱም መፂኦም ምስ መላእ ቤተሰብ ተሓወሱ። ኣነ እውን ኣሽዑ እቲ መሪር ሓቂ፡ ሕንቕንቕ እናበለኒ ክእውሕጦ ተገደድኩ። ምስ ንእሽተን ሓወይ፡ ከም ባህጊ ኣብ ቀፀልቲ ምዕራፋት ሕይወትና፡ ብዙሕ ነገር ክንኰን ክንዓብይ ክንልወጥ ውሽጣዊ ድሌት ነይሩኒ፤ ግን ኣይኰነን።

ኣብ እዚ ክልተ ዓመታት፡ ካብ እቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረኒ ሕይወት ዝተፈለየ፡ ዳርጋ ኣብ ውልቃዊ ነገራተይ ጥራሕ ኣድሂበ እየ ዝእሰርሕ ነይረ። ምስ መሓዙተይ ኰይነ ዘጣየሽኩዎም ተበግሶታት እቲ ዝንደልዮ ለውጢ ንኸምፅእ፡ ዳርጋ ካብ ሰምበት ናብ ሰምበት ሕጉስ ኰይነ ብ ምሉእ ኣቓልቦ እሳተፍን እሰርሕን ነይረ። ብዚ ምኽንያት ል ቤተሰብ ግዜ ኣይነበረንን። ”ሎሚ እዚ እንተገይረ፡ እዚ እንተ ኣሳኺዐ” እምበር፡ ናይ ቤተሰብ ነገር ናብ ዝይኽየዶ ነገር የብሉን፡ ፅባሕ ከርክበሉ እየ ብ ምባል፡ ቤተሰበይ ክእርእይ፣ ግዜ ውሂበ ክእፃወት ክእስሕቕ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይውሃብኩሉን ነይረ። ነገር ግን ል ኵሉ በቢ እዋኑ በቢ ግዝይኡ መቐረት ከም ዘለዎ ዘንጊዐ፡ ሞት እውን ኣብ ዘኢተፀበኹዎ ስዓት ል ሓወይ ከም እዚ ብ ሃንደበት መፂኣ ዝትወስደለይ ምዃና ከኢተረዳእኹ፡ ምንኣስ ሓወይ መንጢላትኒ። ል ብዓል መስቀል ገዛ መፂኦም፡ ግዜ ውሂበ ብ ዘኢምፅዋተይ ኣዝየ እጕህይ፣ እሓዝን። 

ንእሽተን ሓውና ነጋሲ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ “ንፉዕ ብዓል ሞያ መካኒክ ኰይነ ብ ግለይ ሰሪሐ ከሕጕሰኩም እየ” ይብለና ዝነበረ፡ ሎሚ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ዕድሚኡ ኣሕፂሮም ኣዚና ዝንፈትዎ ሓውና ካብ ጐንና ፈልዮምና። ጭካነ ወ ግፍዒ እዞም ፀላእቲ፡ ል ወላዲና፡ ውላዱ ዓብዩ ኣብ ቅውም ነገር በፂሑ ል ምርኣይ ዝነበሮ ሃረርታን ኣብ ስም ውላዱ ዝነበረ ተዘክሮ ብፃዩን ኣምከንሉ። ሕልሚ ሓውና፡ ድሌትን ባህግን ኵላትና እውን ኣሽዕኡ ቀሃመ። ትማሊ ብፃዩ ኣሰዊኡ፡ ል ሓንሳብን ል ሓዋሩን ኣጢፍእናዮ ዝበሎ ፀላኢ ሎሚ ኣብ ራህዋን ሰላምን ክይነብሩ ኣብ ዝተመነየሎም ደቁን ህዝቡን ከም ትማሊ ተመሳሳሊ ግፍዕን ጨፍጫፍን እንትይፍፀም እንትይርእይ፡ ብ ውሽጡ ከመይ ኰን ጕህዩ ይዀን? ካብ ኣንደበቱ ሲ፡ “ንተርንዕ! ካብ እዚ ዝኸፍአ ገና ክይመፀና እዩ” ካብ ምባል ካሊእ ኣይሰማዕኹሉን። 

ብ ወረርቲ ሓይልታት ሻዕብያ፣ ኣብዪ ኣሕመድን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብ ዝይበፅሕ ዘሎ ግፍዕን መቕዘፍትን፡ ኣዝዮም ካብ ዝተጎድኡን ዝተሃሰዩን ስድራ ኰንና። ግዳይ እዚ ኲናት ዋላ እኳ እንተኰንና፡ ኣብ ሕድሕድ ገዛ፣ ጐረቤት፣ መሓዛ፣ ሓውን ቤተሰብን ካብ እዚ ዘኢይንኣኣስ ወይ ልዕሊኡ ሓሳረ-መከራ እንትይፍፀም ምስ ዝትርእይ ኵሉ ከም ኣመፃፅኡኡ ተቐቢልካ፡ እቲ ፀውራ ካብ ማእገርካ ወሪዱ ል ባዕልኻ ከም ዘኢይሃስይን ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ከም ዘበረታዕ ተረዲእኻ፡ ፅቡቕ ግዜ ተመሊሱ ከም ዝይመፅእ ብምትስፋው ኒሕ ሰኒቕካ፣ ተደጋጊፍካ፡ ል ቕድሚት ስድሪ ምጕዓዝን ምትሕግጋዝን እንኮ መማረፂ ይዀነካ። 

“ታሪከይ?” እብላ፤ “ወየ ሓወይ!” ትብለኒ ሓፍተይ፡ ምልስ ኢላ። “ብዓል ገዛኺ ከም ዝጠነስኩም ኣበሲሩኒ። ሓሲብኩምሉ ዲኹም?’’ እሓታ፡ ኣስዕብ ኣቢለ። “እንታይ ድኣ! ንስኻ እንካብ ኣበኻና፡ ል ወለድና ኣነ ወሊደ ከሐጕሶም እምበር ”፡ ስሓቕ ሕውስ እናበለት። “ካብኡ እውን ኣይንኣስኩን፤ ደጊም እኮ ዓብየ እየ” በለት። ብ ግንቦት 5 2013 እያ 23 ዓመታ መሊኣ። ወሲኻ ክዓ፡ “ከም ወዮ ዝይብልዎ ብ ቈልዓኻ ውልድ ውልድ እንተበልካ እዩ እምበር”።  “ደስ ይብለኒ! ወትሩ ልብኺ ዝኣመኖ ከም ዝትገብሪ መዓዝ ጠፊኡኒ!? ግን ምስ ወለድኩምዎ መን ክትብሉዎ ትሓስቡ ኣለኹም?”። ብ ቋንቋ ዘኢገለፅኩዎ ውሽጣዊ ድሌተይ ከም ዝተረድኣ ርአኹ። “ኣይትሰከፍ፤ እሱ ልኣና ሕደጎ። ክሻብ ሽዑ . . . ብ ሰላም ይዕቘረና የፅንሐና” በለትኒ። 

ድሮ 20 ጉንበት፣ 2013 ዓ.ም፡ ታሪክ ሓፍተይ ድሕሪ  ትሽዓተ ኣዋርሕን ሸውዓተ መዓልትን፡ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ናይ ንጕሆ፡ ሽልምቲ ሓራስ ኰይና። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ መላእ ስድራ ብ ዝበፅሐ ማህሰይቲ፡ ብ ሓፈሻ ክዓ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዓድናን ይዘንብ ዘሎ ማእለያ ዘየብሉ ቁምብላታት፡ ዕንወትን መብረስትን፡ ኣብ ሓዘን፥ ሕርቃንን ጕስቍልና እይና ነይርና። ታሪክ ብ ሰላም ብ ምውላዳ ግን፡ ምሉእ ዓወትን ነፃነትን ከም ዘብሰረት፡ ኣብ መላእ ስድራ ፍሉይ ሓጐስ ኣሕደረት። ፀላእቲ፡ መናእሰይ ዓድና ረሺኖም፡ ማህፀን ኣደታት ኣርኪሶም፡ ህፃውንቲ ኣሓትና ብ ጕልበት ዓምፂፆም ዓሚፆም፡ ማህፀን ታሪክ ሓፍተይ ክዓ ል እዞም ፀላእቲ ብ ሕራነ ል ክይብድህ ብ ሓቂ ወዪኑ፤ ል ትንሳኤ ትግራይ፡ ኰበል ወዲ ብወኲሩ። ውፃእ ምዓት፣ ተባዕን ርህርህትን፣ ርሑስ ወ ቅዱስ ዝማህፀና ሓፍቲ። 

ኣብታ ዕለት ንሳ፡ ኣነ ብ ወገነይ፡ ታሪክ ሓፍተይ ብ ሰላም ወሊዳ ምርኣየይ ምስ እቶም ዝነበሩኒ ስግኣታት፡ ድሕሪ ጓሂ ብዙሓት ኣዋርሕ፣ ሕርቃን፡ ተስፋ ምቍራፅን፣ ሓጐስ ፈጢሩለይ። ጕዕዞ ሕይወት፡ ላዕልን ታሕትን፡ ዕረፍትን ገልታዕታዕን፡ ሓዘንን ሓጐስን ራህዋን ጓህን እናኣፋረቐት ካብ ስዓት ናብ ስዓት፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከም ዝትውሕዝ እውን ተረዲአ። ብ እቲ ሓደ ገፅ እቲ ኣመና ኣብሊፅካ ዝትፈትዎ ሰብ እንትትምንጥለካ፡ ኣንጎሎ ቀዪራ ክዓ ካሊእ ካብ ጣዕሳኻ ዝየውፀአካ ፍጥረት ትልግሰልካ። ትርጕም ናብራ፡ መቐረት ሕይወት!

ታሪክ፡ ኣብ ዝይበዝሕ ኣካላታ ዓብዪ ማህሰይትን መቝሰልትን ስለ ዝበፅሓ፡ ዝነበራ ቃንዛ እውን እዅል ምግቢ ከኢትወስድ ይዓግታ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ እዚ ከቢድን ፈታንን እዋን ኰይና እሞ ክዓ ጥንስቲ፡ ሆስፒታላት፣ ኬላታት ጥዕና፣ መስተ ፅሩይ ማይ መሊኡ ኣብ ዝዓነወሉ እዋንን ዓድን፡ ናብ ድላይና ክየድና ኣድላዪ ክትትል ሕክምና ል ክትገብር መንገድታት ብ ፀላእቲ ሓይልታት ኣብ ዝፈረሰሉን ዝተዓፀወሉን እዋን፡ ከም እዚ ብ ሰላም ምውላዳ ብ ሓቂ ዝእፈትዋ ሓፍተይ ናይ ጥንክርቲ ጥንክርቲ ምዃና የርእይ። ል መላእ ስድራ ፅንዓት ምሂራ። ኣብ ቅድሚ ዓይና ዝሰኣነቶ ዕሸል ሓዋ፡ ካብ ከርሳ ብ ዝወፅአ ሕንጠይ ተኪኣ ክትርእይ፡ ካብ ኵለና ብ ዝዛየደ ከቢድ ሓላፍነት ተሰኪማ፡ ል ዓወት በቒዓ። ፅንዓትን ተወፋይነትን መላእ ህዝብና ብ ፍሉይ ክዓ ኣደታትና፡ ባዕላ ብ ግብሪ ምሂራትና። ኣይ ጓል መን ድያ!? 

ታሪከይ፡ ናብ እዝነይ ቅርብ ቢላ ብሕሹኽታ “ጌትሸይ፣ ደስ ይበልካ ወዲ ወሊድና፡ ስሙ እውን ‘ነጋሲ’ ኢልናዮ ኣለና” ትብለኒ። እፈልጥ ነይረ፡ ግን ሕውስውስ ብ ዝበለ ስምዒት፡ ንብዓት ሓጐስ ገፀይ ሕፅብ ኣበሎ። ኣነ እውን፡ “እፈትወኪ፡ ኣፍቅረኪ ሓፍተይ ናተይ። የቐንየልና” በልክዋ። ሕንጠይ ነጋሲ ምስክር … 

ሕንጠይ ነጋሲ፡ ትግራይ ሎሚ ካብ ጫፍ ሑመራ ክሻብ ጫፍ ኣላማጣ ብ ኣረመኔታት ፋሽሽታውያን ወረርቲ ብ ተደጋጋሚ እንትትጭፍጨፍ፣ እንትትበርስ፣ እንትትድህመስ ተወሊዱ ኣሎ። ናብ ዘኢይፈልጣ ዓለም መፅዩ ኣዕይንቱ ቁልጭልጭ እናበለ ይጥምተና ኣሎ። መፃኢ ህይወቱ … ዕፅኡ እንታይ ኰን ይዀን? ሰላም? ራህዋ? ወይ መመሊሱ ናብ እቲ ልሙድ ዘኢይዛሪ ዕንክሊል? 

እንተ እቲ ንሕና … መመሊስና ንጐድል፡ መመሊስና ንትካእ ንወልድ ንፈርይ። ህዝቢ ትግራይ፡ ታሪክ ነጋሲ፤ ነጋሲ፡  ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ! 

ንፅናዕ፡ ል ዘኢይተርፍ ዓወት። 


ጐይትኦም መኰነን

20 ግንቦት 2013 

መቐለ 

ቅድሚ ሕዚ ብ ጐይትኦም ዝተፅሓፉ

  1. What happened in Aksum? My personal account
  2. The killing of my brother, the wounding of my sister and Hidar Tsion of Aksum

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Solomon negash

    June 9, 2021 at 7:41 am

    ጌች ሓወይ ለሕዝን ግን ድማ ዘሐርን ዛንታ እዬ። ስላምን ራህዋን ዝተመልኦ ቤተሰብ ብሓደ ተኣኪብና ንራኸበሉ ዘመን ክመፅእ እዩ::
    ።።። ፅንዓት ንዘይተርፍ ዓወት ✊ጌች።።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT