Connect with us

Uncategorized

ቅሉዕ ወራር፦ ጕሕለት፣ ጥልመትን ሞትን: ተዘክሮታት መፋርቕ 2013 ዓ.ም

Published

on

ብ ታዜና ተ.ሃ 

፩. ዕንይንይ … 

እቶም ሰራዊት ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ (ፒፒ) ካብታ ዝኣተዉላ ዕለት 20 ሕዳር (2013 ዓ.ም.) ኣትሒዞም፣ ኣብ መቐለ ‘ኣይትዅንኒ’  ዝዓይነቱ ብሓደ ኣንጎሎ ቅልቅል፣ ናብ ካልእ እንጉል (ኣንጎሎ ዝብጥ)፣ ዕዝር፣ ሽዀርተት፣ ዕንይንይ፣… ይብሉ። ምዃን ‘ታይ ዘኢገበሩ፥ 

ባዕሎም ወተሃደራት፣ ባዕሎም ኣኽበርቲ ፀጥታ፣ ባዕሎም ኣመሓደርቲ፣ ባዕሎም ወነንቲ፣ ባዕሎም ሓለውቲ፣ ባዕሎም ፈተሽቲ፣ ባዕሎም ከተርቲ፣ ባዕሎም ፈረድቲ፣… ብሓፂሩ፣ ሓረድቲ ጐመድቲ፤ 

ኣብ ገሊኦም ፍርሒ፣ ኣብ ገሊኦም ቅንኢ፣ ኣብ ገሊኦም ዓዘራ፣ ኣብ ገሊኦም ጃህራ፣ ኣብ ገሊኦም ፅልኣት፣ ኣብ ገሊኦም ስግኣት፣ ወዘተ. ይረአይ፣ ይንበብ፤ 

ገሊኦም፣ ቅያር ክዳን ወይ መውፅኢ ዝእልሹ፤ ገሊኦም፣ ብቕንያቶም ሰለሎ ዝኣተዎም ወይ ዝሰንበዱ፤ ገሊኦም፣ ‘ብዙሓት’ ክበሃሉ ወይ ዝተዓወቱ ከምስሉ፣ ኣብ ዓሰርተ ቦታ ዝረኣዩ። 

ብዝዀነ፣ እቲ ዓወንወን እንትደጋገም፣ ሕማቕ ኣመል ኰነ — እንድዩ ኸ! ካብኡ፣ ናብ ዝኸዶ ዝጠፍኦ ወይ ኣብ ክልተ ሰለሰተ ቦታ ዝረአ ሰብ እንትግነ፣ “ታ ‘ማ፣ ከም ‘ዞም ናይ ኣብዪ ዕንይንይ፣ ሃውተተት፣ ሸዀርተት… ትብ ኣለኻ?” ይብሃል። 

፪. ጋዕ ገልጠም 

ብክሕደት፣ ግፍዕን ጕሕለትን ዓዲ ሰለስተን ሻዕብያን ክልተ ሓደ እዮም — ትኽ ትንፋስ። ብስርቂ ግን ኣይ ከም ሻዕብያን! (ዋእ!  ንምምላሱ እኮ እዩ ፀገም! ወይ ኵሉ ንብረት እታ ሃገር ተጕዕዝ እሞ፣ “ናትኩም ውሰዱ” ይቐልል!) ካብ ዘመነ ‘መንከሽከሽ፣ መንቀርቀር ወ ፈርኔሎ’ ፍሒት ኣይበሉን ግዲ፣ ዝገድፉዎ ጥር ዝብል ማንካ ወዲ ማንካ፣ ታኒካ ማኒካ፣ ወዘተ የለን። ኣበደን! እታ ኣብ እንዳ ስላሰ ዝተርአየት ታንክ (ሓደ ፃዕዳ ወዲ በልጅየም ዝፈነዋ ቪድዮ) ዝፅዓነቶ ዓይነት ኣቕሓ፣ ንቕያ እዩ። ትኣክል!  

ኣብቲ ቅንያት፣ ፀጉረይ ክእቕምቐም ኣብ ዝኣተኹሉ ገዛ፣ ዓስርተ ሻዕ “ቧች!” ይብሉ፣ ንዓኣ ኣንቃዕሪሮም እናረኣዩ። (ከም ከማይ እማ፣ እንተተዀነ ባዕላ እታ ታንክ ምስ ጕዕዞኣ ይምለሱ፤ ንሳን ጉዕዞኣን!)  

ከምዚ ዝበለ ውራድ፣ እከይ ምከይ ኣብ ዝኣተዉዎ ከተማ፣ ቁሸት፣ ደብሪ፣ ገዛ፣… ገይሮም። ምስካም ዝኣበዮም ድማ ምስባር፣ ምንዳድ፣ ምብላሽው፣… ክንድ እዚ ሕስድና… ታይ መዓቱ! ካበይ መፅአ?! 

ካብ ስርቂ ናብ ቍዉም ነገር ክንምለስ… ‘እምበኣር ድሕሪ እዛ መስተንክር ታንክ፣ ሸሓነ ወዲ ሽሓነ ወይ ካልእ ማልእ ኣቕሓ ዝሓዘ ሰብ እንተጋጥም፣ “ንኤርትራ ዲኻ?” ወይ “ታይ ድኣ ከም ሻዕብያ ጋዕ ገልጠም — ሸሓነ መሓነ፣ ሳንጣ ማንጣ፣ ጀሪካን ወዲ ጀሪካን — ተሰኪምካ?” ይብሃል። 

፫. ሳልሳዊ ኮረና 

መዓትን መከራን ዘኢይበልየሉ ህዝቢ፥ 

  • እቲ ዓለም ብዓለማ ቀጥቀጥ ዘብል ዘሎ ወሰን ሰገር ለበዳ (ኮረና) ከም ሃገሩ ከኢይኣኽሎ፤ 
  •  እቲ ባሕሪ ሰጊሩስ ይዅን ኣብ በረኻ ተፈልፊሉ፣ ኣእኻልን ኣግራብን ዝወድአ ኣንበጣ ከኢይኣክል፤  
  • እቲ ብጥልመት፣ ቅንኣት፣ ፅልኣትን ህርፋን ስልጣንን ግንባር ብዝፈጠሩ ፀላእቲ ትግራይ ዝካየድ ወራር ከኢይኣኽሎ፣… 

ኵነታት ናብ ውልቃዊ ረብሓ ንምዝዋር ብዝደልዩ ክንዲ ፍረ ጣፍ ሕንኽ ብዘኢይብሎም ስሱዓት፣ ዓለቕቲ፣ ቈራዲድ — ባእታታት ሳልሳዊ ኮረና — ዝወርድ መዓልታዊ ወራር — ሓሶት፣ ጥልመት፣ ምቅጣር፣ ነዝሒ፣ ምጕሕጓሕ ንብረት ህዝብን መንግስትን፣ ምሕባእ ጠለባት፣ ምውሳኽ ዋጋ ጠለባትን ግልጋሎታትን…  

“ዋእ! ኣንታ ግደፉ! ክትወግሕ ያ!” ትብል ፅዋ እማ፣ ምጥዓማ!  

ገሊኦም ሲ፣ ኣብ ክንዲ ባና ዓወት፣ ታይ ግዲ እዩ ዝርአዮም? እህህ… ለካ ንዅሉ ኣይይወግሕን!  

አረ ይውጋሕ — ፀላኢና ይፀልምቶ! 

፬. ሕሉፋት ምስለነ 

እሞ ድማ፣ ኮቪድ-19 ምኽንያት ወይ (ከምቲ መራሒ እታ ሃገር ዝገበሮ) ምኽኒት ብምግባር “ክትባት ክሳብ ዝግነይ” ብዝብል፣ ነቲ ክልላዊ መረፃ፣ ብዕሊ ናብ ዝተነፀረ ግዜ ምድፋእ እናተኸኣለ፤ እሞ ድማ ዳርጋ ፺ ፱ ምኢታዊ፣ እቲ መራሒ ውድብ — ሕወሓት — ተመሪፁ እናሃለወ፤ እሞ ድማ ኣብዚ ዘመን እዚ፤ እሞ ድማ ለይትን ቀትርን ምስ ደጋዊ ሓይልታት ብምሕባር ከጥፍአካ ሒዅ ዝብል ኣካል ዶ፤ መራሒ፣ ብኣውርኡ ድማ መንግስቲ (ምስለነ)፣ “እንካ” ይብለካ እዩ‽ 

ንእሽተይ ሕንከት መሳሊ ‘ኸ ‘ባ!? ዋእ! እቲ ሓሰር ንፋስ (ባዕሉ መሽረፍት) ለኣኺኦምስ፣ ክፉእ ፀላኢ ኰይኑ ንበል፤ ናይ እቶም ባንዳታት ‘ተጋሩ’  ኣሎ እንበር መስደመም! ዓርሰ ወይ ባዕላዊ መጉዳእቲ፣ መቕተልቲ… 

ከመይ ኢሉ እባ ህራስ ይምፅአሎም፣ ይወግሐሎም … 

ሰብ ዋና … 

ኣብ ዓዲ ግራት፣ እቶም ምስለነ ኣብ ዝመርሑዎ ኣኼባ፣ “መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልኪ … ተሸጊርና እሞ…” ዝብል ጥርዓን ይልዓል — ካብቶም ነበርቲ። ካብ እቶም ክስቶ ዝመልመሎም ሓደ፣ “እወ፣ ንሱ ኣብ ውሽጢ ፪-፫ ቅነ ኵሉ ግልጋሎት ክጅምር እዩ።” ካብቲ ህዝቢ ሓደ፣ “ሽዕኡ እማ እቶም ሰብ ዋና እንዶ ክመፅኡ!” ይብል። እቲ ምስለነ እውን ስሒቑ ያ። 

ኣይፋል እባ! መዓዝ ጠፊኡዎ — ንዕኡ፣ ደቒቓዊ ስግኣት፣ ንደቂ ዓዲ፣ ዘኢየቋርፅ ተስፋ። 

ዓሻ ከዕሽወኒ … 

ኣብ ካልእ ኣዳራሽ ድማ፣ “‘ወያነ ክትምለስ እያ’፣ ዝብል እንተሃልዩ ዓሻ እዩ!” ዝበለ ዕሉል ምስለነ ኣሎ። ከምዚ ኣያን ራንድ ዝትበሃል ኣመሪካዊት ፈላስፋ፣ ዝትብሎ መጐት ምዃኑ እዩ። እቲ መጐት (The Argument from Intimidation) ኣብ ክንዲ ኣብ ሕሳብ ቅቡልነት ወይ ዘኢቅቡልነት  ምትኳር፣ ነቲ ክንፀግ ዝተደለየ ሓሳብ ዝኣምን ሰብ “ብልሹው” ወይ “ዋጋ ዘየብሉ… ”  ብዝብል ወይ “ዘኢየድልይ ባህርይ፣ ዘለዎ ጥራሕ እዩ” ብዝብል ምቕራፅ ወይ ምፍርራሕ ብኡ ብኡ ድማ ንምንእኣስን ንምድርባይን ዝግበር ኣገባብ እዩ፥ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓሳብ፣ ኣብ ባህርይ እቲ ብዓል ሓሳብ ምጥማት ከም ማለት። ብፍርሒ፣ ሓሳብ ምግዳፍ። 

ብመሰረት እቲ መጐት፣ ነቲ ምስለነ ዝሰምዕ ሰብ እውን፣ እቲ ሓሳብ ብዘኢየገድስ፣ (ወላ ‘ዝፍለጥ’ ሃማም ዝነበረ ሰብ)፣ ‘ዓሻ’ ከኢይብሃል፣ ‘ኣይትምለስን’ ክቕበል ይወናወን፤ ይመርፅ። ብፍርሒ ዘኢምቕባል ድማ ምስ ምስለነ ምውጋን ከም ማለት እዩ — ድሕሪ ምእማን ድማ መኸተ፣ ቃልሲ ወይ ብኣውራኡ ወያነ ስለ ዘኢይሕሰብን ዘኢይህልውን! 

እቲ ኣገባብ መጐት ምስ ካልኦት መዐሸዊ ነገራት (መሻርፍ፣ ስልጣን፣ መኪና፣…) ወይ መፈራርሒ ስልትታት፣ ፅልዋ ስለ ዘለዎ፣ ነዚን ወዲ ዝን ንምብዳህ ዘኢየቋርፅ ፃዕርታት ይግበርን የድልይን። 

ነዚ እዩ እንበኣር፣ ከም ቲ. ኤም. ኤች. (ትግራይ ሚድያ ሃውስ) ዝበለ መተካእታ ወይ መሐለውታ ጣብያ ዘድልይ። ነዚ እዩ፣ ድወትን (ድምፂ ወያን ትግራይ) ተለቭዥን ትግራይን ፈነወ ኣብ ዘቋረፁሉ ቅነ፣ እኒ ስታሊን፣ “ውድብ ምስ ምሉእ ቆመናኣ ምህላዋን ዓወት ዘኢይቐርይ ምዃኑን” መመሊሶም ብዝተፈላለዩ ልሳናት ዝፅብፅቡን ብዛዕባ ተዓዋታይነት ህዝባዊ ቃልሲ ኣጋይሽ ብምዕዳም መደባት ዝሰርሑን። ነዚ እዩ ብተለቭዥን ኣሰና እውን ተመሳሳላይ መልእኽቲ፣ መግለፅታትን፣ ዜናታት ዓወትን ይፍነዉ ዝነበሩ…።

፭. ዘኢልሙድ ልማድ 

ሀ. ኣብ መቐለ፣ ሰለስተ ኣርባዕተ መናእሰይ፣ ጠራሙዝ ዝመልአ ጠረጴዛ ከቢቦምን ቢራ እናሰተዩ፣ የውግዑ። (ውፅእ ኢልካ፣ ዳር መራእይቲ፣ ምፅኣተ ዓለም — ወራር፣ ሞትን ሕየትን፣ ኣብ ውሽጢ መረባ ወይ ገዛ እንከ፣ ካልእ ዓለም … ።)  

ካብ ኣቶም ሓደ፣ ናብ ከባቢ መቐለ ብምድዋል፣ ደሃይ — ኵነታት ዓዲ — ይሓትት፤ ንቶም መሓዙቱ ሓደ ብሓደ እናጠመተ፣ “ከመይ እዩ ሐዚ? ታይ ኣሎ?” ይብል። ካብኡ፣ ገለ ነገር ይብሎ — እቲ መዛርብቱ። ንሱ ድማ፣ “መናእሰይ ይውቅዑን ይቕትሉን ኣለዉ?” ብምባል ዝበሎ ይደግም — ንምርግጋፅን ንቶም ቀልቦም ናብኡ፣ ናብቲ ምልልስ፣ ዝገበሩ መሳትይቱ ከስምዕን። 

ድሕሪ፣ “ኪድ! ኪድ! ወይ ጉድ! የሕዝን …” ገለ ነገር ይሕተት። ንሱ ድማ፣ “ንሕና እማ፣ ዳሕና እይና፤ ኣብ ሓደ ቦታ ሱቕ ኢልና፣ ቢራ ንሰትይ ኣለና።” ድሕሪ ሓደ ክልተ “ዞሮ ዞሮ” ወይ “ዙሮ ዙሮ”… ካብኡ ድማ፣ “በል፣ በል!”፣ ስልኪ ዕፅው… 

ለ. ካልእ ወግዒ፣ ቀፀለ። 

“እከለ ትፈልጦ ዶ?” ዝብል ሕቶ፣ ንሓደ የልዕል። 

እቲ ተሓታቲ፣ ዘኢምፍላጡ ብገፁ ይሕብር። 

“ዋይ ትፈልጦ ኢኻ ዋ! እቲ እኳ ከምዚ… ከምዚ ልበለ (ኣእዳዉ እናወሳወሰ…) ዋይ እታ፣ እቲ ቅይሕ ልበለ ዓርኪ ክስቶ…” ብምባል፣ ብዙሕ ምልክታት ይጠቅስ። 

እቲ ወዲ ድማ (ሸኲሉ ግዲ)፣ እሞ ንሱ ታይ? ተቐቲሉ ድዩ?” ይብል — መቸስ ንሱ እዩ፣ እዩ! 

“‘ታይ እሞ? ሞት፣ ሓዱሽ ድዩ!?” ዝዓይነቱ — ካብቲ ሞት ወይ ቅትለት ተጋሩ፣ ብዛዕባ ሞት ምዝራብ ዝገርሞ! 

ሐ. ካልእ ቦታ …ተመሳሳላይ ኵነት … ሕልፍን ትርፍን ኣብ ዝፅዓነት ታክሲ፣ ገና ተመዓራርዮም ኮፍ እንተኢበሉ ንወረ ካብ ዝሃፀፁ መናእሰይ፣ እቲ ሓደ፣ “ወረ ሰሚዕኻ ዶ — ናይ ዓዲ?” ይብል። 

ካልእ ድማ ቈብ ኣቢሉ፣ “‘ታይ ‘ሎ? ኣይሰማዕኹን?” 

“መናእሰይ ይወቅዑ ኣለዉ…” ብምባል ይምልስ። 

“ብበትሪ ድዩ ብጥዪት?” ይብል፣ እቲ ካልእ። ዝዕዘብ ሰብ፣ ግልፅ ምልፅ እንተ በለ ኣይዓጀቦምን። 

“መን እዮም ከ? ሻዕብያ ድዮም? እዚኦም…?” 

ጥዪት ከም በትሪ — ፀላኢ በዚሑ፤ በትሪ ተለሚዱ፤ ሞት ቀሊሉ፤ ሓዘን እውን ከምኡ። 

በትን በዝን ዝመፁ ዝፀገቡን ዝጠመዩን ዝኽሓዱን ዝተዓስቡን ፀላእቲ፣ ዝወርድ መዓት ልማድ ካብ ኰነ፣ ንሕና እውን ልምድ …  ታይ ከ! 

መ. ካልኦት ክልተ (ኣብ ዓዲ ሓውሲ)፣ ድሕሪ ምንኽኻእ (ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝተለመደ ሰላምታ)፣ እቲ ሓደ፣ “‘ታ እማ ደንጒኻ?”  ይብል። 

“ምብፃሕ ነይሩ… ጐረቤት” ይምልስ። 

“ኪድ! በቲ ናይ ሎሚ ድዩ ‘ብኖርማል’?”  

“ወይ ኖርማል!” ይምልስ። 

እማኑ … ታይ ከ!? ልሙድ ቀርዩ፤ ዘኢልመድ ተለሚዱ።   

ብሱሩ እባ … እዚ “ምፅኣተ ዓለም!” ዘብል ኵለ መዳያዊ ኣረሜናዊ ወራር ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትና ኣብ ዝባንና እናወረደ፣ ሽዑ ንሽዑ ሸለል ምባልን ወይ ከም ቅቡል ወይ ንቡር ምርኣይ ታይ ኣምፅኦ!? ቅንይ ኢልና (መሊስና ከም ናይ ኣሕመድ ግራይ፣ ውቤ፣ ድርቡሽ፣ ምኒልክ፣ ጥልያን፣ ሃይለስላሰ፣ ደርጊ፣ ሻዕብያ) እንተ ረሳዕናዮን ተመሳሳላይ ክስተት ከኢይፍፀም ስጕምቲ እንድሕር ዘኢንወስድን ወይ ምሉእ ድልውነት ክውን ዘኢገይርና፣ ‘ይ ዝብሃል ባህጊ፣ ራእይ፣ ልኡኽ፣… ፅባሕ ወይ መፃኢ ይህልወና? 

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Stop killing, torturing, starving and robbing civilians based on their ethnic background

    February 13, 2022 at 6:13 pm

    Stop killing and starving ALLLL civilians in Ethiopia & Tigray (NB:Tegaru & Tigray NomoreEthiopian!!!)

    Please reunite and ready to snap handcuffs around the wrists and legs of Abiy Ahmed Ali, and the rest of prosperity party elite members, and throw them behind bars. In doing so, you will successfully save ethiopia from the complete collapse as this heroic act ensure the removal of the shackles of modern day colonialism imposed by UAE, Turkey,& China.

    Prosperity party is a domestic agent of modern day colonialism and appointed to help foreign mercenaries dismantle Ethiopia by weakening the most powerful states and nations and steal their priceless relics and national riches.

    Stop civilian Oromos, Tegaru, Amhara , Gumuz, Agew, Irob, Kimant genocide Humanitarian corridor to all the people in need.

    Stop selling our precious and priceless heritages. Last but not least, you must stand against organized mafia calling itself Fanos , enemy of Amhara , Oromo and Tigray. Fanos are aimless except robbery and rape. Eskinder Nega (Original gangster,O.G) and jailbird) back to his shanty and cozy cottage , Hot one,juvie.

    This is not intended to call names, but just to describe him to others, and someone who wage war and famine on our children and elderly people, we want him to face justice not just scolding him.

    The rise of Abiy Amhed to the highest office in the country , whetted UAE’s and Shabias’s  appetite to scramble for resources of Ethiopia and colonize its people famed for its Resistance  against European Imperialism  and ancient remarkable history of over 3000 years.For all these braveries act against past colonialist powers , Ethiopia is greatly indebted to  the people of Tigray and Oromos along with the rest of nationalities. If you’re still curious to save Ethiopia and declare your self-governing statehood or remain in the unison, it is advisable to topple down the current Prosperity party working with the most powerful powers , TDF and OLA. Amhara’s elites should still sleep on this peaceful proposition and save your own people instead of endangering the people of Amhara and let Abiy massacre Amhara in the name of OLA and TDF. Amhara’s elites and merchants in Gonder (mafias) should stop waging war against Amhara to expand your territory at the expense of civilians displacement, massacre and starvation.

    https://thewillnigeria.com/news/opinion-the-emirates-widening-appetite-for-colonialism/

    https://qz.com/911513/the-united-arab-emirates-has-a-plan-to-colonize-mars-in-the-next-100-years-and-the-oil-money-to-finance-it/

    https://english.alarabiya.net/News/gulf/2022/01/21/UAE-Turkey-to-bolster-ties-with-new-agreements-renew-commitments-Report

    https://www.thenationalnews.com/world/2022/02/09/uae-company-helps-launch-africas-largest-mangrove-reforestation-project-in-mozambique/

    https://www.insightturkey.com/file/611/turkeys-foray-into-africa-a-new-humanitarian-power-fall-2011-vol13-no4

    FREE Orthodox church from Prosperity party, Fanos(==terrorists), Shabia , and UAE sponsored satanic soldiers

    Stop killing, torturing, starving and robbing civilians based on their ethnic background!!!

Leave a Reply

Cancel reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT