Connect with us

Uncategorized

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብ ምፍፃም ተኸሲሳ  

Published

on

ጋዜጣዊ መግለፂ  

አብ ትግራይ ከቢድ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተፈፀመ ዝገልፁ ክስታት ዝምልከት  አብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝቀረበ ጉዳይ  

ጀኔቫ፣ አሩሻ እና ኒው-ዮርክ – ሰሉስ፣ 05 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም  

እዚ ሎሚ ብዛዕባ እቲ ሰፊሕ ምጥሓስ ሰብአዊ መሰላት ዝገልፁ ክስታት ናብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት አፍሪካ (ኮሚሽን አፍሪካ) አንፃር  መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረቡ አሎ። እዚ ኣብ ክንዲ እቶም ግዳያት እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ግጭት ዝኾኑ ተጋሩ ብዓለም ለኻዊ ወሳዲ ናይ ሕጊ ተበግሶ (Legal Action Worldwide): ብሕብረት ሰብ ሞያ ሕጊ ፓን ኣፍሪካ (Pan African Lawyers  Union) (PALU) ከምኡውን ዴበቮይዝን ፕሊምፕተን (Debevoise & Plimpton LLP) ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሽርክነትን ደድሕሪ እቲ ኮሚሽን ኣፍሪካ ኣብ ጥቅምቲ ዝገበሮ ውሳነ ኢትዮጵያ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ግህሰት ዝቐርቡ ክስታት ክተቋርፆን ኣብ ትግራይ ሙሉእ ዝኾነ ሰብአዊ ሓገዝ ክኣቱ ክትገብር ዝምሕፀነላ ግዝያዊ ስጕምትታት ንምሕባር እዩ። 

ኮሚሽን ኣፍሪካ ነቲ ኣብ ቻርተር ሰብኣውን ህዝባዊን መሰላት ኣፍሪካ (ቻርተር ኣፍሪካ) ዘሎ መሰላት ናይ ምትብባዕን ኣብ ኣፍሪካ ሓለዋ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ኣለዎ። ብ04 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ነቲ ታሪኻዊ ጕዳይ ምስ ሓዞ እቲ ኮሚሽን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዕጥቃዊ ተፃብኦታትን ቅልውላው ሰብአዊ ሓገዛትን ንዝልዓሉ ሕቶታት ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ መጀመርታ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት እዩ  ኮይኑ። 

እዚ ሎሚዓንቲ ዝቐረበ መግለፂ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝኮኑ ተጋሩ ዝተፈጸመ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ዘጉልሕ ኮይኑ ካብኣቶም እዞም ዝስዕቡ ይርከብዋም፡- 

1. አብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘነፃፀረ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ነፈርትን ተተኮስቲን፣ 

2. ጅምላዊ ቕትለትን ዕጡቓት ዘይኮኑ ሰላማውያን ሰባት እንተላይ ንኣንስትን ንቖልዑን ንኣረጋውያንን ካብ ፍርዲ ወጻኢ ምቕታልን፤ 

3. አብ ልዕሊ ተጋሩ ደቂ አንስትዮ፤ ሰብኡትን፤ ቆልዑን ሰፊሕ ዝኮነ ፀታዊ ዓመፅን ፆታዊ ጥቅዓትን ምፍፃም መብዛሕተኡ ግዜ ንመፈራርሒን ሰብአውነት ምብልሻውን፤ ከም መሳርሒ ኩናት ጌርካ ምጥቃም፤  

4. አብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን አብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተጋሩ ከምኡውን ጋዜጠኛታትን ናይ ማሕበረሰብ አንቃሕትን ዓሌትን መንነትን ጥራሕ መሰረት ዝገበረ ሜላዊን ዘይስሩዕን ዝኮነ ማእሰርቲን ምስቃይን፤ 

5. ኣብ ከም ኣብያተ-ትምህርቲ፤ ናይ ሕርሻ መሳለጥያታት፤ ሆስፒታላት፤ ክሊኒካት ከምኡውን ኣብ ሃይማኖታውን ባህላውን ጥንታውያን ቦታትን ሰራሕተኛታትን ዝኣመሰሉ ወሳኒ ሲቪላዊ መሰረታዊ ልምዓታት ዝወርድ መጥቃዕቲ፣ 6. ፌዴራላዊ መንግስትን ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣናትን ከምኡውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ አሕመድ ዘስፋሕፍሕዎ ሰፊሕ ዝኮነ ፀረ-ትግረዋይ ናይ ፅልኢ ዘረባን ፕሮፖጋንዳን፤ 

7. አብ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቀፀለን ክሳዕ እዚ እዋን ዘሎን ምዕፃው ኮሚኒክሽን አብ ሞንጎ ትግራይን ካልእ ክፋል ዓለምን

8. አብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን አብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ተጋሩ ከምኡውን ጋዜጠኛታትን ናይ ማሕበረሰብ አንቃሕትን ዓሌትን መንነትን ጥራሕ መሰረት ዝገበረ ሜላዊን ዘይስሩዕን ዝኮነ ማእሰርቲን ምስቃይን፤ ከምኡውን 9. ኣዕናዊ ዝኮነ ምክልካል ሰብኣዊ ሓገዝ ዘስዓቦን ብሰንኪ ሰፊሕ ዝኮነ ጥምየትን ከቢድ ዝኮነ ሕፅረት መድሓኒትን ቀረብ መድሓኒትን ዘጋጠመ ብኣሽሓት ዝቁፀር ምትራፍ ዝከኣል ሞት፤ ከምኡውን 

10. መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ አብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ሰፋሕቲ ግፍዕታት ምርመራን፤ ተሓታታይነት ወይ ከዓ ፍታሒ ናይ  ምሃብ ዘለዎ ዓለም ለካዊ ሓላፊነት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ብብዙሕ መዳያት ነዞም ምርመራታት ብንጥፈት ዓጊትዎም ይርከብ፡፡ 

ኮሚሽን ክኢላታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፤ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፤ አውሮፓ ሕብረት ከምኡውን ብዙሓት ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ገለ ካብዞም ተግባራት እዚኦም ገበን ኩናት፤ ገበን ኣንፃር ዘርኢ ደቂሰባት፤ ከምኡውን ዓሌታዊ ምጽራይ ምዃኑ ፈሊጥዎ ኣሎ፡፡ 

ኢትዮጵያ ነቲ ቅሬታ አቕረብቲ ዘልዓልዎ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ 60 መዓልቲ አለዋ። ኣብ ዝቕጽል ደረጃ እቶም ቅሬታ አቕረብቲ  ጕዳዮም ኣብ ክንዲ መሰኻኽር ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ኮሚሽን ኣፍሪካ ብቃል ክስማዕ ሓቲቶም አለዉ። 

እቲ ታሪኻዊ ጕዳይ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ወሳኒ እዩ። እቲ ብ23 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህዝባዊ ወያነ  ሓርነት ትግራይን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ነቲ ኢትዮጵያን ተሓባበርቲ ሓይልታትን ዝፈጸምዎ ገበንን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ፍትሕን ተሓታትነትን ዘመርሕ መንገዲ አየቀመጠን። ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ፣ እቶም ብህይወት ዝተረፉ፣ ከምኡውን ማሕበረሰቦም እዚ ውዕል እዚ ፍትሒ ዘይኰነስ ገበነኛታት ከይቅፅዑ መንገዲ ዝፀርግ እዩ ኢሉ የተሓሳስቦም ኣሎ። 

ሓደ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ምስክር ዝኮነ ትግረዋይ ነበር ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደር ከምዚ ይብል “ንሰላም ሃረር ኢልና ኢና ንነዊሕ እዋን ድማ ኢና ተጸቢናዮ። እንተኾነ ግን ሰላም ብሓቂ ጋህዲ ክኸውን ኣዝየ እየ ዝጭነቕ ። ነቶም ዝሞቱ ፍትሒ ኽወሃቦም ኣለዎ። በዚ ውግእ እዚ ህይወተይ ተበላሽዩ እዩ። ጽቡቕ ትምህርቲ ዕቤት እናገበርኩ ዝኸይድ ዝነበርኩ ሞያ ኣታዊየይ ስድራ ቤት ክድግፍ ዝኽእል ከምኡውን ናይ ገዛእ ርእሰይ ስድራቤት ክምስርት ትምኒት ነበረኒ። እዚ ኹሉ ካባይ ተወሲዱ እዩ። ንስድራ ቤተይ መዓስ ከም ዝርእዮም ኣይፈልጥን እየ። እታ ዝፈትዋን ከገልግላ ዝደልያ ዝነበርኩ ሃገር ስኢነያ” ይብል። 

ሓደ ነቶም ቅሬታ አቕረብቲ ዝተዛረቦም ናይ ቀደም ትግረዋይ መምህር ከምዚ ይብል- “ፖለቲከኛታትና ይርስዕዎ እዮም ብዛዕባ እተን ኣብዚ ውግእ እዚ ዝተሳቐያ ስድራቤታትከ እንታይ እየን ዝበሃላ? እተን ዝተዓመፃ ደቂ ኣንስትዮከ? መን እዩ ዝጠርዐሎም? መን እዩ ተሓታትነት ዘምጽኣሎም?” 

ዳይሬክተር ዓለም ለኻዊ ወሳዲ ናይ ሕጊ ተበግሶ (LAW) ዝኮነ አንተንዮ ማልቪ (Antonia Mulvey) ኸምዚ ይብል – “ኣብ ዓለም ብዙሕ ስቓይ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ድምጺ እቶም ግዳያት ብቐሊሉ ክዕገት ይኽእል እዩ። ሎሚ ግን እቶም ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላው ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝደሓኑ ሰባት ብቐጥታ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት አፍሪካ ይዘራረቡ ፍትሒ ንኽወሃቦም ዝሓተትዎ ሕቶታት ክሰምዑ ድማ ይሓትዎም። ንኮሚሽን አፍሪካ ክሰምዕን ስጕምቲ ክወስድን ንልምኖ ኢና።” 

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሕብረት ሰብ ሞያ ሕጊ ፓን ኣፍሪካ (PALU) ዝኮነ ዶናልድ ደያ (Donald Deya) ድማ ከምዚ ይብል – “ኮሚሽን ኣፍሪካ ነቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ መስርሕ ሰላም ንምድጋፍ ፍሉይ ሓላፊነት ኣለዎ። ኮሚሽን ኣፍሪካ ነቶም ግዳያት ዝኮኑ ተጋሩ ፍትሒ ብምሃብ ኣብቲ ዞባ ዘላቂ ሰላም ንምርካብ ተሓታትነት ኣገዳሲ ምዃኑ እንደገና ከረጋግጽ ይኽእል ኢዩ።”

ኣብ ዴብቮይዝ (Debevoise & Plimpton LLP) ተሓጋጋዚት ሓላፊት ኣህጉራዊ ኣፈታትሓ ግጭትን ጉጅለ ህዝባዊ ዓለም ለኻዊ  ሕግን ዝኾነት ካተሪን ኣሚርፋር (Catherine Amirfar) ከምዚ ትብል – “እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዘስደምም መርትዖ ዘደንጹ ኢዩ። ኮሚሽን ኣፍሪካ ንሕቶታትን መርትዖታትን እቶም ግዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ንኢትዮጵያ በቲ ዝጠሓሰቶ ኣህጉራዊ ሕጊ ተሓታቲ ንምግባር ወሳኒ ኣጋጣሚ ኣለዎ ። ኣብ ክንዲ ዅሎም ግዳያት ዝኮኑ ተጋሩ ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ኽንቅጽል ኢና።”


እዙይ ፅሑፍ ብ እንግሊዘኛ https: ALLEGATIONS OF MASSIVE HUMAN RIGHTS  VIOLATIONS IN TIGRAY SUBMITTED IN LANDMARK  CASE AGAINST ETHIOPIA 

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT