ብዋዛ ህይወትና ተቐዪሩ
እታ ተዅሲ ዝተጀመረትላ መዓልቲ ሰሉስ ምንባራ እዝክር። ምስ መሓዙተይ ቢራ እናሰይተና ነዉግዕ፣ ንስሕቕ፣ ንቀላለድ ነይርና። ኣብ ወግዕና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተሓፀየት መሓዛና፡ መርዓኣ መኣዝ ከም ዝዀን፣ ሓዱሽ ድኳን ዝኸፈተት መሓዛና ጐናጐኒ ክትሰርሖ ብዛዕባ ዝሓሰበቶ ስራሕ፣ ናተይ ካብ ናይሮቢ ናብ መቐለ እናተመላለስኩ ናይ ምንጋድ ሓሳብ እይና እነውግዕ ነይርና።
እታ ተዅሲ ዝተጀመረትላ መዓልቲ ሰሉስ ምንባራ እዝክር። ምስ መሓዙተይ ቢራ እናሰይተና ነዉግዕ፣ ንስሕቕ፣ ንቀላለድ ነይርና። ኣብ ወግዕና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተሓፀየት መሓዛና፡ መርዓኣ መኣዝ ከም ዝዀን፣ ሓዱሽ ድኳን ዝኸፈተት መሓዛና ጐናጐኒ ክትሰርሖ ብዛዕባ ዝሓሰበቶ ስራሕ፣ ናተይ ካብ ናይሮቢ ናብ መቐለ እናተመላለስኩ ናይ ምንጋድ ሓሳብ እይና እነውግዕ ነይርና።
ክሳብ ሕዚ ኣብ ምንም ዘይተሳተፉ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ካህናት ብጥዪት ረጊፎም፣ ሸኻት፣ ኢማማት ተቐቲሎም፣ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ምእመናን ሃሊቖም፣ ዝተረፉ ድማ ገዝኦም ንብረቶም ሓዲጎ ተሰዲዶም፣ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ መስጊዳት ዓኒዎም፣ ገዳማት ብከቢድ ኣፅዋር ተደብዲቦም። ቅርሲታት ተዘሪፎም፣ ንዋየ ቅዱሳት ተቓፂሎም፣ ንብረት ምእመናን ተዘሚቶም፣ መሳርሒ ትካላት መሰረተ ልምዓት ተጓሕጒሖም ተወሲዶም፣ ትካላት ጥዕና፣ ቤት ትምህርቲ፣ ፋብሪካታት በሪሶም፣ ውልቃዊን ዘይውልቃዊን ህዝባዊ ትካላት ከም ዘይነበሩ ኰይኖም፣ ኣንስቲ ካህናትን ደናግልን ተራኺሰንን ተደፈረንን፣ እኖን ጓልን ብእንስሳዊ ባህሪ ብሓባር ተደፊረን።
ህዝቢ ትግራይ: ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምሕላው ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ንምትግባር ፀኒዑ ስለ ዝተቓለሰን ብኣሃዳዊ ስርዓት ፋሽሽታዊ ጕጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣይእርገፅን ኢሉ ዴሞክራስያዊ መረፃ ስለ ዘካየደን ኣብ ልዕሊኡ ወራር ምጥፋእ ዘርኢ ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ከም ዝፍለጥ ሕዱር ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ትንፋስ ረኺቦም ምስ ኣንሳእረሩ ትግራይ ምድዓኽን ምድኻምን ፈላማይ ተግባሮም ጌሮም እዮም ተበጊሶም። እንሆ ድማ እዞም ሓይልታት እዚኦም ኩሉ ዘለዎምን ዘይብሎምን…
19 ሕዳር 2013 መቐለ ህዝቢ ኣብ ኸቢድ ውጥረትን ጭንቀትን ዝወዓለሉ ፀልማት መዓልቲ እዩ። ህዝቢ መቐለ ሐዚ ደምሰሱና ሐዚ ጠፋእና እናበለ ከብዱ ሓቚፉ ዝወዓለሉ። ኣደታት፡ ህፃውንቲ ደቀን መሊሰን ናብ ኸብደን ከእትወኦም…
ብዕለት 19/04/2013 ዓ/ም ካብ ከተማ ሽረ ናብ ሑመራ ዝመፃእኹም፡ ሑመራ ሰላም ስለ ዝኾነት ንዓድኹም ተመለሱ ኢሎም ብ 6ተ ተስሓብቲ መኻይን ፅዒኖም ናብ ከትማ ሑመራ አምፂኦምዎም ‘ዮም። ካብኡ ፋኖ ዝበሃል ዕጡቕ ኣብቲ ከተማ ፀኒሑ እንታይ ክትገብሩ መፂእኹም ኢሉ ናብ ዓብይ ግቢ ኣእቲው ዳጒንዎም እዩ።
ብ ዕለት 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ ደንገላት ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዓመታዊ ክብረ በዓል ል ምኽባር ኣብ ጥንታዊ ገዳም ማርያም ደንገላት ተኣኪቡ ካብ ዝነበረ ህዝቢ፡ ልዕሊ 82…
ብዓይነይ እናርአኹ ገዛይ ተቓጺሉ፤ ቤተሰበይ ተበቲኑ፤ ከም ሰብ ገኒዝና ክንቀብሮም ኣይክኣልናን ንቤተሰብና። ራሄል ሓፍተይ እከለ ኣሎ እከለ የለን ክብለኪ ኣይትጸበዪኒ። እቶም ብዓይነይ ዝርአኹዎም ዝሞቱ እውን ኣይነግረክን። ኣነ ጽባሕ የለኹን። ገድሊ…
ብ ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ ካብ ኣስታት 2000 ዓ/ም ጀሚረ ስለ ሓደነት ዕጫ ተጋሩን ኤርትራውያንን፥ ስለ ተኸፋፊልካ ኣደዳ ፀላእቲ ምዃን፥ እናተለዋወጥና እቱ ሓደ ተጠቒሞም ል እቱ ካልእ ብ ምውቃዕ ክልቲአና ከም ዝየዳኽሙና፥…