ዛንታ ስዉእ ኣቦይ

ካብ መረባ ምስ ወጽኡ ን እቲ ዝርርብ ዝሰምዕ ዝነበረ ወዲ 17 ዓመት ዝዀነ ወዲ ሓፍተይ ደድሕሪኦም ክኽተሎም ጀመረ። ተመለስ ኢሎም ኣፈራሪሖም ግን ክምለስ ገይሮምዎ። ድሕሪኡ ዝተፈጠረ ነገር ግን እቲ መሕዘንን መደንገጽን ፍጻመ እዩ። ካብ ገዛ ኣስታት 300 ሜትሮ ወሲዶም ንኣቦይ ወላድየይ ረሸኑዎ።

Continue Reading ዛንታ ስዉእ ኣቦይ

ብ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ፡ኣብ ጣብያ ድጉም ዝበፅሐ ዝርዝር ዕንወት

እዚ ዝይስዕብ ሰንጠረዥ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ፥ ጣብያ ድጉም ኣብ 52 ገዛውቲ ዝበፅሐ ዓይነትን መጠንን ዕንወት ዝየርእይ እዩ። ተ.ቍሙሉእ ስምዓይነት ንብረትዓይነት ጕድኣትፍልፍልመብርሂ1ፀጋ ኣለም ኣብርሃ በየነሓደ ክፍሊ ገዛሙሉእ ኣቝሑ ገዛዒስራ ደርሁዓኒዉተፀቂጦምን…

Continue Reading ብ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ፡ኣብ ጣብያ ድጉም ዝበፅሐ ዝርዝር ዕንወት

ፎቶታትን መብርህታትን ኣብ ድጉም ክልተ ኣውላዕሎ ዝተቐተሉ ወገናት

ብ ዕለት 16፥ 17 ወ 18 ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ድጉም ብዙሓት ሰባት ቀቲሎም እዮም።

Continue Reading ፎቶታትን መብርህታትን ኣብ ድጉም ክልተ ኣውላዕሎ ዝተቐተሉ ወገናት
ዜና ዕረፍቲ እነይ ኣብርሀት ግደይ
አብርሀት ግደይ (ኣብ 2003 ዓ/ም ዘልዓልኩዋ ፎቶአን)

ዜና ዕረፍቲ እነይ ኣብርሀት ግደይ

ል ሕድሕድ ዝርአየን ሰብ “ቀበርትና ይግበርኩም” ዝትብል ነገር መውፅኢት ኣፈን ነበረት። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስቓይ፣ ብ ዕለት 29 ሚያዝያ 2013 ካብ እዛ ዓለም ብ ሞት ተፈልየን። ግን ቀባሪ ሲ ኣይነበረን። ውሑዳት ሰባት ብ ተብትተብ ቀቢሮሙወን። ደቀን፥ ደቂ ደቀን፥ ኣዝማደን፥ ፈተውተን መፂኦም ክቐብሩወን ኣይክኣሉን። ሓደ ስልኪ ስለ ዘየለ ኣብ እዋኑ ብ ምንታይ ይስምዑ? ካልኣይ ክዓ መንገድታት ስለ ዝተዓፀወ፡ ምጕዓዝ ኣይይኽእሉን። ሳልሳይ እቶም ወረርቲ ቀብሪ ኣይይፈቕዱን።

Continue Reading ዜና ዕረፍቲ እነይ ኣብርሀት ግደይ
ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን
ገለ ግዳያት ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ

ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን

ቍጽሪ እቶም ከካብ ከባቢኦም ዝተወሰዱ ሰባት፡ ልዕሊ 76 ይግመት። እዞም ወገናት ድሕሪ ከካብ ከባቢኦም ምልቃሞም፡ ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ንጕሆ ጥሪ 16፡ 2021 ዓ/ም እዩ። ድሕሪኡ: ምሟቶም እኳ ንዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣይተፈለጠን ነይሩ። ድምጾም ይዅን ሃለዋቶም ዝሰምዐ ወይ ዝርአየ ስድራ ግዳያት ኰነ ዘመድ የለን። ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ቦታ ክዓ መልዓጣ ከም ዝዀነ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።

Continue Reading ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን

ኣብ ጕዳይ ትግራይ ናብ ምዕራውያን እንታይ ሒዝና ንቕረብ?

ገለ ውልቀ ሰብ መዚ እዘን ሃገራትን ገለ ኣብ እዘን ሃገራት ዘለው ፈጠርቲ ፅዕንቶ ሰባትን ብውልቀኦም በቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ንምግላፁን ንምሕሳቡን ዝኸብድ ኣረሜናዊ ግፍዒ ከም ሰብ ሓዘኔታ ክስምዖም ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ፖሊሲ ወፃኢ ኣመሪካ ኰነ ሃገራት ኣውሮፓ ግን ብቐንዱ ብረብሓ እምበር ብ ሓዘኔታ ኣይይምራሕን።

Continue Reading ኣብ ጕዳይ ትግራይ ናብ ምዕራውያን እንታይ ሒዝና ንቕረብ?

ሰራዊት ኤርትራ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለኽለኻ ኣቃፂሎም ታሪኽ ቍልዕነተይን ንእስነተይን መንጢሎምኒ

ቤት ትምህርተይ ሓዊ ኣትዩዋ። ኣነ ታሪኽ እየ እዝክር ዘለኹ። ናይ ሎሚ ህፃናትን ሰጋናትን ተምሃሮ ግን ኣካል ሆወቶም እያ። እቶም ተምሃሮ፡ ታሪኾንም መፃኢኦምን ክቃፀል ምስ ርአዩ፡ ከካብ ገዝኦም ተፀዋዊዖም ከድሕኑ ተጓየዩ። ገሊኦም እቲ ዝተወልዐ ሓዊ ከጥፍኡ፣ ገሊኦም ዘኢተቓፀሉ ወይ ፍርቆም ዝነደዱ መፅሓፍቶም ከድሕኑ ፅዓሩ። ግን ከም ድልየቶም ኣይኰነሎምን።

Continue Reading ሰራዊት ኤርትራ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሰለኽለኻ ኣቃፂሎም ታሪኽ ቍልዕነተይን ንእስነተይን መንጢሎምኒ

ሳልሳይ ስብራት

ኣነ እውን ትግራወይቲ ብ ምዃነይ፡ ናይ ባንኪ ኣካውንተይ ተዓፅዩ ኣብ ችግር ወደቕኩ። ብፍላይ ካባይ ብዙሕ ነገር ዝትፅበይ ቈልዓ ሒዘ ከቢድ ኰነኒ። እቲ ፀገመይ ግን ተጀሚሩ እንበር አይተወደኣን።

Continue Reading ሳልሳይ ስብራት
ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ? (ካልኣይ ክፋል)
ከተማ ሸራሮ

ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ? (ካልኣይ ክፋል)

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ'ቲ ሃዲሙሉ ዝነበረ ኤርትራ ብ ሕዳር 02፡ 2013 ብ ሰራዊት ኤሪትራ ተዓጂቡን ተሓጊዙን ስዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ሸራሮ በጽሐ። ሰራዊት ትግራይ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ’ቲ ከባቢ ለቒቑ ከይዱ ነበረ።

Continue Reading ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ? (ካልኣይ ክፋል)

ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ

ብዕለት 28/04/2013 ዓም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 እቲ ውግእ ገና እንተ ኢተዛዘመ ሓዱሽ ተወሳኺ ወታደር ናብ'ቲ ጣብያ ይኣትዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ በረኻታት የንሳሕቡ። ብዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝተቘጥዑ ወታደራት ድማ ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም። ደድሕሪ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንገጠር ዘምርሑ ወታደራት እዉን ብተመሳሳሊ ዘዝረኸብዎ ሰብ ምርሻን ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ውዒሎም።

Continue Reading ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ